ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሓደጋ ይርከብ

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ ህጻናትን፡ ብጹሓት ወርሒ ዝርከብወን ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ንዓመታት ኣብ ትሕቲ መሳፍንቲ ኵናት ሊብያ ተጨውዮም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ሓድሕድ ኵናት ንኩነታቶም ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣብጺሕዎ ይርከብ።

መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ማእሰርታት ሊብያ ዝሕልፎ ዘለዉ ስቅያት በታ ንእሽቶይ ዝረኽበዋ ዕድል ንሕብረተ ሰብ ዓለምን ንዜጋታቶም ህዝቦን ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽቲ ኣብ ጽንኩርን ከብድን ኣሕዛኒ ኩነታት ይሳቐዩ ምህላዎም ብመራኸቢ ብዙሓት ብተደጋግሚ ክግለጽ ጸኒሑ ይግለጽ ኣሎን። ድሮ ኣብ ሓያሎ ከተማታት’ውን ንመንግስታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ቆላሕታ ክግበረሉም ነፍሲ ምድሓን ሰላምዊ ሰልፊ ምሕጽንታት ተገይሩ፡ ግን እዚ ኣኻሊ ስለ ዘይኮነ ክሳብ ንሂወቶም ኣብ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ዝግዕዙ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዝከኣሎ ብዝተወደበን ብውልቀን ደጊሙ ደጋጊሙ ንዝምልከቶም ኣካላት ምእንቲ እዞም መንእሰያትን ህጻናትን ጥራዓንት ከቅርብ ይግባእ። ሰዲህኤ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነዚ ሕጂ ኣብ ሊቢያ ዝረአ ዘሎ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝካየድ መደባት ዝከኣሎ ኩሉ ብሓባር ድምጺ ውጹዓት ከቃልሕ ዘለዎ ድሌት ኣብ ልዕሊ ምግላጽ ጸዋዒት’ውን የቕርብ።

 

ዘለኣለማዊ ክዝብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

18 መስከረም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11161

Posted by on Sep 19 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net