ፋይናስ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ ተኣሲሩ

ነባር ተጋዳልይን ፋይናንስ ሚኒተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2018 ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ብዘይመጸዋዕታን ክስን ቤት ፍርድን ፖሊስን፡ ካብ ቤቱ ምስ ወጸ ብጸጥታ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ሰቡ ተጨውዩ ከም ዘየተመልሰ ተፈሊጡ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ተጨውዩ ከይዱ’ዩ ተባሂሉ’ምበር ከመይን ኣበይን ከም ዝኸደ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ የልቦን። ካብ ሕሉፍ ኣካይዳ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከኣ ንቡር ኣተሓሕዛ ፖለቲካውያን ኮይኑ ዝጸንሐን’ዩ። እዚ ብግዜ መዓልቲ (ቀትሪ) ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝግበር ጭውያ ከኣ መጀመርትኡ ኣይኮነን። ልክዕ ቅድሚ 17 ዓመት ካብ 18-21 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ G15፡ ጋዜጠኛታት ዝተወሰደ ስጉምቲ ተመሳሳሊ ጥራሕ ዘይኮነ ሎሚ ህግዲፍ ደጊሙ ካብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ገና ከም ዘይወረደን ሕግን ስርዓትን ዝበሃል ከም ዘየልቦ ዝህቦ ምልክት’ዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ንህዝቢ ኤርትራ ብቃሉ ዝሕለፎ ታሪኻዊ መልእኽቲ፡ ክልተ መጽሓፍቲ ንህዝቢ ዘቅረቦ ንባህርያት መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘጋልጽ ሰነድ ጠንቒ ዘይሕጋዊ ማእሰርቱ ኮይኑ ዘሎ ኣቀዲሙ ዝፈልጦ ከም ዝነበረ ይግለጽ። ንዝመጾ ኩሉ ከኣ ብትብዓት ክገጥሞ ከም ዝኾነ ኣብ መልእኽቱ ገሊጹ ነበረ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዝተፈጸመ ዓብይ ታሪኻዊ ትብዓት ዝምለኦ ጅግንነት ኣንጻር ምልኪ ህግዲፍ ንህዝብና ተስፋ ዝሃበ፡ ኣብ’ዚ ዕድመ ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ክበሊ ዝፈርዶ መላኺ ስርዓትን ተግባራቱን ኣሕዛኒ ኮይኑ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ግን ቃልሲ ንደሞክራስያን ፍትሕን ጠጠው ክብልን ንድሕሪት ክግታእ ከም ዘይክእል ሓባሪ ምልክታት ዓወት ኮይኑ ኣሎ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

18 መስከረም 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11158

Posted by on Sep 19 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net