ኣደየ፡ መስከረም 1961 ን

መስከረም 1961ን

ወርሒ ኵርዓት ሓበን

ክብሪ ወሲድኪ ካብ ኩለን

ነባሪ ሽግኪ ገና ኣይጠፍአን፡

ምልካዊ ባርነት ክቡንቖስ

ድንቑርና ሕማም ክድምሰስ

ህዝብና ብሓርነት ክድበስ

ሃገርና ክትስልጥን ክትዓቢ ክትሕደስ

መሬትኪ ፈርዩ ክስፈር ክሕፈስ፡

ሰላም ምስ ሰፈነ

ህዝብኺ ብማዕረ ክዳነ

ከም ዓለሙ ክሓልም ክምነ

ከም’ዚ ሕጂ ከይኮነ፡

መስከረመይ ጋግየኪ

መልክዕኺ ጸምልዩ ተደዊንኪ

ማዳ በዚሑ ዘይምሱል መሲልኪ

ድሃይ ሃብኒ፡ ቃል ቀደምኪ፡

49 ዓመት ክሓልፍ

እምብዛ ምፍንጫል፡ ክንዲ ምጥርናፍ

ጉያ ንስልጣን፡ ሃንደፍደፍ

መንእሰይ ሓመድ ክንጸፍ

ዝተረፈ ንገደል ክጸድፍ፡

ከመይ’ልካ ተለልየኒ፡ መዓስ ጽቡቕ ረኺበ

ኣይ ደቐይ ኣኺበ

ኣይ ጀጋኑ ኣጽሊለ መጊበ

ጃንዳ መላኺ ህዝቢ ዘረብረበ፡

ካልእ ኣሎ ኣብ ጥራሕ ኢዱ ዝንየተ

ኣይ ዕርፊ ኣይ ነዊተ

ብልፍንቲ ሓሪሱ ነፍሱ ከይቐልተ

ኣርቢሑ ከይለውስ፡ ጎጎ ከይስንክተ

ንረኣዪ በረኽተ

ንኸብዱ ዕንጋሎተ፡

ንብር ነይሩ፡ ግዜ ማሕረስ ህውተታ

ነውራም ጽውያ፡ ቐውዒ መጸት ንሸመታ

መውግሒ ዘይብላ፡ ንምሸታ

ካብ ርቡሕ ኣውዲ፡ ንልማኖ ስንበታ፡

ናይ በዓል ሓጓዶ ዘረባ

መጸት መጸት ቐሪባ

ንዑናይ ጉየዩ ሃይ’ባ

ብስምምዕን፡ ብሕግን፡ ዝብላ ከየርከባ

ንስልጣን ክንሓዅራ ክንድይባ፡

ኣብ ልዕሊ ፈታዊኦም ዝጎርሑ

ጽልኢ ርእዮም ዝቐይሑ

ጸገሞም ከይፈትሑ

ህዝቦም ከርብሑ፡

እዚን ወዲ ከም’ዝን

ዘጉሂ ዘሕዝን

ዘእርግ ዘቆንቑን

ከመይ’ለ ክጽብቕ ክፍርዝን

ክሕጎስ ክቐስን፡

ኣነስ ምደለኹ፡ ስመይ ክለዓል ክኽበር

ዝናይ ክውረ ክዕምር

ኣደ፡ ሓምድ ዓወተ ቦዃር

ቀብሩ ዘይረኽበ ንቡር

ኮይነ’በር፡

ብኣኻትኩም ክድበስ

ዝናይ ክብረይ ክምለስ

ዝሓለፈ ክርሳዕ ክድምሰስ

ተሓቋቝፍና ዓዲ ክንምለስ፡

ከይሰመረለይ ምስ ተረፈ

ብፍርሓት ከብደይ ሓቝፈ

ብሎሚ ጽባሕ እንተሓለፈ

ዝነበረኒ ወዲኤ ነጊፈ፡

እሞ ሎሚ፡ እዚ ሕሰም ጭካነ

መን ይስከሞ ዘይኣነ

ዕርቒ፡ ሰላም፡ ፍትሒ ረኺበ ክዳነ፡

እንተ ብሞጎተ ዘተ ሕጊ፡ እንተስ ለሚነ

እምበር ተዛሪበ፡ ኣይክእሎን ምስ ሰብ ሕነ፡

ሎሚ ዘሎኒ ዓቕሚ

ዘይስድር ስጕሚ

ዘይትሕለብ ላሕሚ

ዘይውዳእ ሕልሚ

ዘይውጻእ ሰልሚ …… ኮይኑንስ

ምሳኹም ክመክር

ክሕይል ክጥንክር

ክሓልፎ ጸበባ ክሰግር

ሓንቲ ኣደ ትሽዓት ሕብረ ብሄር

ተጸዊዔ ክኸብር፡

ወዘይ፡ መልክዐይ ክምለስ

ህዝቢ ክፍወስ፡ መስከረም ክትፍወስ

ሃብቲ’ኳ ነይደሊ ብዘይካ ምስ በረኽት ትቕመስ

ምፍልላይ ዓዲ ክትውዓል፡ ሓድነት ክትነግስ፡

ቅሰኑ፡ ኣነ ክቀስን

ስመሩ፡ ኣነ ክሕበን

ኩሉ ይገለጽ፡ ክንተኣማመን

ዘትዩ ተላዘቡ ክምለስ ዘመን፡

ንሱ ዘይምግባርኩም’ዩ፡ ዘጋገየካ መልክዕ

ካብ ሓተትካስ በል፡ ጽን’ልካ ስማዕ

ስውኣት ዘክር፡ ሕድሪ ኣይትረስዕ

ንሓድነት ሰላም፡ ብሕጊ ክትረትዕ

ወለቕ ዘለቕ ግደፍ ኣትርር መስርዕ

ንቓሓት ተዓጠቕ ብጉዳይካ ትባዕ

መግቢ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጸውር ከብዲ፡ ሃየ ጽናዕ፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1472

Posted by on Sep 2 2010 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net