ጋዜጣዊ መግለጺ ኣኼባ ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ሃገር ጀርመን

ቀዳም ዕለት 6.11.2010 ኣኼባ ኩሎም ወከልቲ ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበራትን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። እቲ ቅድሚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝነበረ ምትሕብባር ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ኤውሮጳን ውድባት ኤደኪን፡ ብመሰረት ውሳኔታት ሃገራዊ ዋዕላ ኵሎም እቶም ካብ ኤደኪ ወጻኢ ዘለዉ ውድባት ከይተረፉ ብሓባር ክሰርሑ ስለ ዝግባእ ኣብ‘ቲ ኣኼባ ተሳቲፎም። እዚ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተሰላሰለ ኣኼባ‘ዚ፡ ብዛዕባ‘ቲ ነዚ ዓመት‘ዚ ክካየድ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርሓትን ኣወዳድባኡን ተመያይጡ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ብሰፊሑ ክዘረበሉን ዘድሊ መምርሒ ክሕንጽጽን ምእንቲ እታ ዝነበረት ሽማግለ ቀጻሊ ኣኼባ ክትጽውዕ ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝመጽእ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ውርሒ ታሕሳስ 2010፡ ዓመታዊ ዝኽሪ „ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት“ ስለ ዝዀነ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ዘላ ቀዳም ዕለት 11 ታሕሳስ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር ዝቐረበ ሓሳባት ቅቡል ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ተወሲኑ።

ንቀዳም ዕለት 11 ታሕሳስ 2010 ስላማዊ ሰልፊ ንምግባር ፍቓድ ተሓቲቱ ስለ ዘሎ፡ ብዝምልከቶ ናይ ጸጥታ ትካል ናይ ሕራይነት መልሲ ምስ ረኸብና ዘድሊ ሓቤረታት ክንህብ ምዃንና ነፍልጥ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ግዝኣት ህግደፍ

ኣወሃህዲ ሽማግለ

በርገሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን

ኣብ ጀርመን

10.11.2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1802

Posted by on Nov 18 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net