ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካርልስሩሀን ከባቢኣን

ኣብ ከተማ ካርልስሩሀን ከባቢኣን ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ዝተጋበአ ህዝባዊ ኣኼባ ንሃገራዊ ጉባኤ ብውዕዉዕ ክትዓትን ልዙብ ምርድዳእን ተሰላሲሉ። ብኣባላት ኮምሽን ዝኾኑ ሓው ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይን ወሮ. ፍረወይኒ ተኽለጻድቕን፡ መብርህን ድሕረ ባይታ ምቛም ኮምሽንን ድሕሪ ምቕራቦም፡ መደብ ዕዮን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቦም። እዚ ዕቱብ ተሳታፍነት ማሕበረሰብን፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ኣቓልቦን ተቐባልነትን እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ማዕበል ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ንኽወጽእ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ እምነቱን ፍልልያቱን ኣወንዚፉ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ጸዊዖም።

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ብምንጻር፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደልሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበርሉን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ብምክብባርን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን፡ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ነብሱ ሰሪዑን ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን፡ ነዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ መዓልቲ ከቃላጥፍ ለበዉኡ ብምሕላፍ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ንምግባር፡ ዝመጽእ ኣኼባ እተዳሉ ግዝያዊት ሽማግለ ሰይሞም።

ግዝያዊት ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ካርልስሩሀን ከባቢኣን

11.11.2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1800

Posted by on Nov 18 2010 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net