ህዝቢ ቦስቶንን ከባብን 15 ዝኣባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጻም

ዝሓለፈ ቀዳም ሕዳር 20 ጥቅምቲ 2010 ኣባላት ኮሚሽን ንሃገራዊ ዋዕላ ንህዝቢ ቦስቶንን ከባብን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ሎሚ ምሸት ብርክት ዝበለ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ብምርኣይና ዝተሰማዓና ፍናን ከይገለጽናዮ ኣኼባና ክንከፍት ደስ ኣይብለናን ዝበሉ ኣባላት ኮሚሽን ሓው ተኽላይ ኣብራሃን ሓው ዳንኤል ተወልደን ነቲ መጠነ – ሰፊሕ ኣኼበኛ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዋዕላን ብድሆታቱን ብሓደ ሸነኽ፣ ዋዕላ ዝዘተየሎም ኣርእስትታትን ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወትን ድማ ብኻልእ ወገን ኣብሪሆም። “ህዝብና መኣዲ ዘተ ሓሪሙዎ ንሓድሕዱ ክካሰስ፣ ክወናጀልን ክጠራጠርን ብድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ሰፊሕ መኣዲ ዘተ ተኸፊቱሉስ ብዘይ ስክፍታ ፊት-ንፊት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኣዳራሽ ተራኺቡ ዝነበሮ ዕቃቤታት ምስ ዘተየሎም፡ ኣብ መንጎኦም ብዘይካ ሓደ ህግደፍ ካልእ ጸላኢ ከም ዘየብሎም ኣስተውዒሎም” ክብል ሓው ተኽላይ ናይ’ቲ ዋዕላ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ሓው ዳንኤል ተወልደ እውን ብወገኑ ኣገባብ ኣመራርጻ ኮሚሽንን ኣስዒቡ’ውን ኣገባብ ኣመራርጻ ፈጻሚት ኣካል ኮሚሽንን ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ሓው መሓመድ ኢብራሂም ካብ ከተማ ቦስቶን ዋዕላ ተኻፊሉ ስለ ዝነበረ ንኣኼበኛ ምስክርነቱ ገሊጹ። ሓው ኢብራሂም ኣሰታትፋ ዋዕለኛታት ካብ ዝተፈላለየ ብሔራትን ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ምንባሩ ተስፋ ከም ዝሃቦ ሓቢሩ። ኣብ መዕጸዊ መግለጺ “ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ዝተራእዩ ጉድለታት መታን ከይድገሙ ተሳትፎ ህዝቢ ልዑል ኣገዳስነት ስለ ዘሎዎ፤ዕድመን ጾታን ከይፈለኹም ተሳትፎኹም ከተዕዝዙ ሓደራ እብለኩም” ክብል ሓው ተኽላይ መደርኡ ደምደመ።

ኣብ መድረኽ ናይ ሕቶ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ገለ ንምጥቃስ፡-

1.  ኣብ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ክግበር ዝድለ ዘሎ ብንጹር እንታይ እዩ?

2.  ኣብ 1997 ዝተነደፈ ቅዋም ሃገረ-ኤርትራ እንከሎ ካልእ ንምንዳፍ ንምታይ ተደልየ?

3.  EPDP ኣብ ዋዕላ ዝተሓዝኣሎም መናብር ንምንታይ ኣይተጠቐሙሉን ንስኻትኩም ኮምሽንከ ነዚ ዝምልከት ዘካየድኩሞ ጻዕርታት ኣሎዶ?

4.  ኣብ መስርሕ እቲ ዋዕላ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ኢድ ነይሩዋ?

5.  ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኪዳን ዓብላሊ ገደ ነይሩዋ ዝባሃል ሓቂ ድዩ?

6.  ጉዳይ መሰል ብሔራት ክሳብ ምንጻል ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ብኸመይ ተደምዲሙ? ዝብሉ ክኾኑ እንከሎዉ፡ ካብ ዝቐረቡ ለባዋታት ገለ ንምጥቃስ ድማ፡-

  • ሓንቲ ካብ ኣዴታት “ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ሎሚ ተስፋ ዝህብ ተበግሶ እሪኢ ኣሎኹ። ነዚ መስርሕ’ዚ ሰብኡትና መዓንጣኹም ሸጥ ኣቢልኩም እንተድኣ ተበጊስኩም ንሓና ድማ ኣብ ኣብ ኣእጋርኩም ዝዓለባዓ ጥብ ከም እንብል ቃል ይኣትወልኩም” ብምባል መደረት።
  • ሓደ ሓው እውን ብወገኑ “ ነዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ወፊኹም ኣብ’ዚ ዘብጻሕክሞ ዝለዓለ ምስጋና ይብጻሕኩም ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ናብ ናይ መጨረሻ መዕረፊኡ ናይ ምብጻሕ ሓላፍነት ክስከም ዘሎዎ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ኣነ ከም ወዲ ህዝቢ ካባይ ዝድለ ዘበለ ብዘይ ግብዝና ጉበአይ ክገብር ድሉው እየ “ በለ።
  • ሓደ ካብ መንእሰያት እውን፡ “ ብዛዕባ ዋዕላ ዝሰምዖ ዝነበርኩን ዘሕደረለይ ኣሉታዊ ጽልዋን ካልእ እዩ ነይሩ። ሕጂ ዝሰማዕክዎ ግን ሞራልካ ዘሓድስን ንቓልሲ ዘዳሉን እዩ እሞ ዕቃቤታተይ ንጎድኒ ሓዲገ እዚ መስርሕ እዚ ዕዉት ንክኸውን ዝከኣለኒ ክገብር እየ” በለ።

ኣብ መጨረሻ ንህዝቢ ቦስቶን እትመርሕን ጎስጓስ እተካይድን ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዝኣባላታ ንኡስ ሽማግለ ብምምራጽ ኣኼባኦም ብዓቢ ፍናን ደምደሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን  ዞባ ሰ/ኣሜሪካ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1866

Posted by on Dec 1 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net