News

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ዕለት 15 ሕዳር 2010  ዘውጻእናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ኣብ ውሽጢ ኮይና  ተቓውሞና ከነስምዕ  ዝጸናሕና ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን  ሰ.ደ.ህ.ኤ ብትኹል ይኹን ብጋድም ከምዝተሰንጠቐ ገሊጽና ነይርና። ጉዳይና ዘይፍታሕ ኣይነበረን።  ነዚ እምነት’ዚ መሰረት ብምግባር ከኣ እቶም ዝፈላለዩና ርእይቶታት ኣብ ማእከላይ ባይቶን መሰረታትን ኣውሪድና ንዘራረበሉ ኢልና ኣብ ዝጠለብናሉ እዋን፣ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ጥራሕ እዩ ዝዝረበሉ ተባሂሉ መሰል ምሉእ ባይቶን ኣባልን ብምርጋጽ እቲ ቁኑዕ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ተጣሒሱ። እቲ ዘገርም ኣብ ክንዲ ዘተ ሓደ ካብቶም ንሰ.ደ.ህ.ኤ ዘቖሙ ሰለስተ ዉድባት፡ (ኤ.ህ.ም-ነበር) ካብቲ ሓድነት ሰጒግናዮ ኣሎና ተባሂሉ ብዕሊ ተኣዊጁ። እዚ ናይ ፈላሊኻ ምህራም ሜላ ክጥቀም ስለዝተደለየ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ካብቲ መሪሕነት ክንፍለ ከምዝተገደድና እዉን ገሊጽና ኔርና፡ ብተወሳኺ ምስ ኩሎም  ንዋዕላ ዝድግፉ ሓይልታትን ምስ ኮሚሽን ዋዕላን ተሓባቢርና ከም እንሰርሕ ቅሩብነትና ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ውሽጣዊ ውደባና ሰሪዕና ውሳኔና ክንገልጽ ምዃና ሓቢርና ኔርና። እነሆ እምበኣር ኣብዚ ናይ ሎሚ  መግለጺና ማእከላይ ባይቶ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ድሕሪ ምክያድ 11 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ከምዝመረጸ ንሕብር ።  በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንገልጾ እንደሊ ሓው መሓመድኑር ኣሕመድ ክሳብ ሕጂኳ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኑ እንተጸንሐ ኣብዚ እዋን’ዚ ብውልቃዊ ምኽንያት ኣባል ማእከላይ ባይቶ  ኮይኑ ክሰርሕ  መሪጹ ከምዘሎ ንሕብር።

ፈጻሚት ሽማግለ ኣኼብኡ ብምክያድ ንዶክቶር ተስፋይ ስብሃቱ ኣቦ-መምበር ንሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ድማ ጸሓፍን ምክትል ኣቦ-መምበርን ኮይኖም ንክሰርሑ ወሲኑ። ዝርዝር ኣስማት ፈጻሚ ሽማግለ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣-

1. ዶክቶር ተስፋይ ስብሃቱ፣

2. ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣

3. መኮነን ሃይለ፡

4. ዑስማን መሓመድ፡

5. ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገ/ማርያም፡

6. ደስበለ መሓሪ፡

7. ኢሳያስ ኣስፋሃ፡

8. መሓመድ ብርሃን ዓብደልቃድር፡

9. መሓመድ ጠሃ፡

10. ዮናስ ገብረኣምላኽ፡

11. ዓብደልዓዚዝ ክያር ሓሰን፣

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼብኡ ኣገዳስነት ናይ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ከም ጽላል ደምበ ተቓውሞን ንምሕያሉን ፍልልያቱ ኣወጊዱ ኣድማዒ ስራሕ ንኽዓምምን ሰልፍና ካብኡ ዝጥለብ ኣብርክቶ ከማልእ ምዃኑ ወሲኑ።

ኣብ መደምደምታ ድማ ኩሎም ኣባላት ባይቶን መሰረታትን ሰ.ደ.ህ.ኤ እቲ ኣብ መሪሕነት ዝተረኽበ ናይ መትከልን ዕላማን ፍልልይ በሪሁ ስለ ዘሎ ነቲ ግጉይ ናይ ምፍልላይ መስመር ነጺግኩም፣ ኣብቲ ቅኑዕ ናይ ሓድነት መስመር ኣሚንኩም ክትጽምበሩ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ

Mail address – EPDP.fdu@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top