ጋዜጣዊ መግለጺ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ዕለት 15 ሕዳር 2010  ዘውጻእናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ኣብ ውሽጢ ኮይና  ተቓውሞና ከነስምዕ  ዝጸናሕና ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን  ሰ.ደ.ህ.ኤ ብትኹል ይኹን ብጋድም ከምዝተሰንጠቐ ገሊጽና ነይርና። ጉዳይና ዘይፍታሕ ኣይነበረን።  ነዚ እምነት’ዚ መሰረት ብምግባር ከኣ እቶም ዝፈላለዩና ርእይቶታት ኣብ ማእከላይ ባይቶን መሰረታትን ኣውሪድና ንዘራረበሉ ኢልና ኣብ ዝጠለብናሉ እዋን፣ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ጥራሕ እዩ ዝዝረበሉ ተባሂሉ መሰል ምሉእ ባይቶን ኣባልን ብምርጋጽ እቲ ቁኑዕ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ተጣሒሱ። እቲ ዘገርም ኣብ ክንዲ ዘተ ሓደ ካብቶም ንሰ.ደ.ህ.ኤ ዘቖሙ ሰለስተ ዉድባት፡ (ኤ.ህ.ም-ነበር) ካብቲ ሓድነት ሰጒግናዮ ኣሎና ተባሂሉ ብዕሊ ተኣዊጁ። እዚ ናይ ፈላሊኻ ምህራም ሜላ ክጥቀም ስለዝተደለየ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ካብቲ መሪሕነት ክንፍለ ከምዝተገደድና እዉን ገሊጽና ኔርና፡ ብተወሳኺ ምስ ኩሎም  ንዋዕላ ዝድግፉ ሓይልታትን ምስ ኮሚሽን ዋዕላን ተሓባቢርና ከም እንሰርሕ ቅሩብነትና ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ውሽጣዊ ውደባና ሰሪዕና ውሳኔና ክንገልጽ ምዃና ሓቢርና ኔርና። እነሆ እምበኣር ኣብዚ ናይ ሎሚ  መግለጺና ማእከላይ ባይቶ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ድሕሪ ምክያድ 11 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ከምዝመረጸ ንሕብር ።  በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንገልጾ እንደሊ ሓው መሓመድኑር ኣሕመድ ክሳብ ሕጂኳ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኑ እንተጸንሐ ኣብዚ እዋን’ዚ ብውልቃዊ ምኽንያት ኣባል ማእከላይ ባይቶ  ኮይኑ ክሰርሕ  መሪጹ ከምዘሎ ንሕብር።

ፈጻሚት ሽማግለ ኣኼብኡ ብምክያድ ንዶክቶር ተስፋይ ስብሃቱ ኣቦ-መምበር ንሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ ድማ ጸሓፍን ምክትል ኣቦ-መምበርን ኮይኖም ንክሰርሑ ወሲኑ። ዝርዝር ኣስማት ፈጻሚ ሽማግለ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣-

1. ዶክቶር ተስፋይ ስብሃቱ፣

2. ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣

3. መኮነን ሃይለ፡

4. ዑስማን መሓመድ፡

5. ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገ/ማርያም፡

6. ደስበለ መሓሪ፡

7. ኢሳያስ ኣስፋሃ፡

8. መሓመድ ብርሃን ዓብደልቃድር፡

9. መሓመድ ጠሃ፡

10. ዮናስ ገብረኣምላኽ፡

11. ዓብደልዓዚዝ ክያር ሓሰን፣

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼብኡ ኣገዳስነት ናይ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ከም ጽላል ደምበ ተቓውሞን ንምሕያሉን ፍልልያቱ ኣወጊዱ ኣድማዒ ስራሕ ንኽዓምምን ሰልፍና ካብኡ ዝጥለብ ኣብርክቶ ከማልእ ምዃኑ ወሲኑ።

ኣብ መደምደምታ ድማ ኩሎም ኣባላት ባይቶን መሰረታትን ሰ.ደ.ህ.ኤ እቲ ኣብ መሪሕነት ዝተረኽበ ናይ መትከልን ዕላማን ፍልልይ በሪሁ ስለ ዘሎ ነቲ ግጉይ ናይ ምፍልላይ መስመር ነጺግኩም፣ ኣብቲ ቅኑዕ ናይ ሓድነት መስመር ኣሚንኩም ክትጽምበሩ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ

Mail address – EPDP.fdu@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1875

Posted by on Dec 2 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net