Poetry

ዝኽሪ ንጂግና ተጋዳላይ ነብሲሄር ስዩም

ኣርብዓ ዓመት ንሃገሩን ህዝቡን ክብል ኣብ ቃልሲ

 ንዝኣመንካሉ ጹኑዕ ምስ መረሽካ ዘይብልካ መላሲ

ስዮማይ ብዙሕ ተቓሊሱ ክተክል ስርዓት ዲሞክራሲ

          ኣንታ በሊሕ ጂግና ሂሮ ናይ ቃልሲ

          ህዝብና ከሲሩ እስኻ ብሞት ክትፍለሲ

          ጠበቓ ውጹዓት ንዓመጸኛ ብመርትዖ ከሳሲ

ስዩም ጽኑዕ እናተባሃካ ብኹሉ ይጻሓፍ ኣሎ

  ምረት ሓዘን ብኹሉ ኩርናዕ ይግለጽ ኣሎ

ዝተወፈኻሉ ቓልሲ ክዕወት ቃል ይእቶ ኣሎ

                  መቃብር ሓርበኛ ስዩም ምእንቲ ክቐስን

                   ፍልልይ ይወገድ ሓደ ክንከዉን ንወስን

                    ህዝቢ ክርህዎ ብሰላም ክነብር ክቐስን

ጀጋኑ ይሓልፉ ታሪኽ ክኣ የትርፉ

ሕድሪ ክትግበር ብቅለም ተጻሒፉ

ጂግና ስዩም ከይዱና ክብረት ተነጺፉ

ጽንዓት ሚሂሩ እንታይ ከ ገዲፍፉ

                ኣጋባብ ናይ ቃልሲ ኣራኣእያ ፍልልይ ንቡርዩ

                   መስዋእቲ ሓርብኛ ተቃላሳይ ግን መሪርዩ

                  ዓለም እዚኣያ ትርፋ ፍልልይ ክውገድ ተጓየዩ

                መስዋእቲ ሰዩም ዓቢ መቐይሮ ለውጢ ክኾዉንዩ

  ናይ ጂግና፥በጠል፥ ሂሮ፡ ምስዋእቱ ንብላሽ ኣይኮውንንዩ

  ዲክታይተር ስርዓት በስገዳድ ካብ ስልጣን ከልግስዩ

   ህዝብና ደቁ ዝኸፈለሉ ስልጣኑ ክርከብ ግድንዩ

    ሳላ   ብዓል  ስዩም   እናላ  ክኣ  ክዝክር ኢዩ

       ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top