ዝኽሪ ንጂግና ተጋዳላይ ነብሲሄር ስዩም

ኣርብዓ ዓመት ንሃገሩን ህዝቡን ክብል ኣብ ቃልሲ

 ንዝኣመንካሉ ጹኑዕ ምስ መረሽካ ዘይብልካ መላሲ

ስዮማይ ብዙሕ ተቓሊሱ ክተክል ስርዓት ዲሞክራሲ

          ኣንታ በሊሕ ጂግና ሂሮ ናይ ቃልሲ

          ህዝብና ከሲሩ እስኻ ብሞት ክትፍለሲ

          ጠበቓ ውጹዓት ንዓመጸኛ ብመርትዖ ከሳሲ

ስዩም ጽኑዕ እናተባሃካ ብኹሉ ይጻሓፍ ኣሎ

  ምረት ሓዘን ብኹሉ ኩርናዕ ይግለጽ ኣሎ

ዝተወፈኻሉ ቓልሲ ክዕወት ቃል ይእቶ ኣሎ

                  መቃብር ሓርበኛ ስዩም ምእንቲ ክቐስን

                   ፍልልይ ይወገድ ሓደ ክንከዉን ንወስን

                    ህዝቢ ክርህዎ ብሰላም ክነብር ክቐስን

ጀጋኑ ይሓልፉ ታሪኽ ክኣ የትርፉ

ሕድሪ ክትግበር ብቅለም ተጻሒፉ

ጂግና ስዩም ከይዱና ክብረት ተነጺፉ

ጽንዓት ሚሂሩ እንታይ ከ ገዲፍፉ

                ኣጋባብ ናይ ቃልሲ ኣራኣእያ ፍልልይ ንቡርዩ

                   መስዋእቲ ሓርብኛ ተቃላሳይ ግን መሪርዩ

                  ዓለም እዚኣያ ትርፋ ፍልልይ ክውገድ ተጓየዩ

                መስዋእቲ ሰዩም ዓቢ መቐይሮ ለውጢ ክኾዉንዩ

  ናይ ጂግና፥በጠል፥ ሂሮ፡ ምስዋእቱ ንብላሽ ኣይኮውንንዩ

  ዲክታይተር ስርዓት በስገዳድ ካብ ስልጣን ከልግስዩ

   ህዝብና ደቁ ዝኸፈለሉ ስልጣኑ ክርከብ ግድንዩ

    ሳላ   ብዓል  ስዩም   እናላ  ክኣ  ክዝክር ኢዩ

       ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2192

Posted by on Dec 24 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net