ደፊእካ ተውድቖ ጽሉል ዝነደቖ

ረ.ክ. (ባሻይ) ሚያዝያ 20-2005

እንታዩ ማዕጾኻ ጸራባይ ዓቐቕ ኣብዚሑ?

ናይዚ ክራማት ድዩ ሰቢሑ!

     ተውሳኺተይ ማዕጾ ‘ታይ ግበር ትብሉኒ

     ዓቐቕ ዘይብልሲ መን ምስ ደገፈኒ

     ደይ ብነቓዕ ጡብ’ዮም ወታቲፎምኒ

     ዳርጋ ኩለን ዓንየን ልዳት ተሪፉኒ

          ደይ ቆልቋል’የ ነይረ ደፊእካ ተውድቖ

          ኳና ዝመንደቐይ ጽሉል ዝነደቖ

          ሓመድ ዝፈሰሶ ገመል ዝሓመቖ

          ጎባጥ ዓንድ ማእከል ዝተጎዝ ሕቖ

     ዘይተረብሕ ኣጒዶ ማሕስእ ዝድይባ

     ደፊእካ ትእቶ ብኾፍካ ተርክባ

     መደቀስ ቆልዑ መደብ ዘይርከባ

     ሓጋይ ተሸሽ ትብል ክረምቲ ናጤባ

          ምሉእ’ኮ ‘ይበሉን ብዕሙት ዝስራሕ

          ኣይ ቍኖ ኣይ ምሻጦ ዘይሓድር ንጽባሕ

          መጻወት ቆልዑ ደድሕሬኻ ይፍንጣሕ

          ላማ ምስ ኣተዎስ ብኡ ጌሩ በራሕ

     ዓሻ መንገደኛ ብዓላት ይርስዕ

     ዘጸየቐሉ ሰብ መስ ህግደፍ ይስዕስዕ

     ስብራ ከየርከበ ኣብ ኩዳ ይዀርዕ

     ዕንቅፋት ወናማት መባላሸው መስርዕ

          እንታይ’ሎም ምሒሎም ፈለስቲ ዓድና?

          ካብ ምስ ህግደፍ ጸለል ቆብዕ ይትረፈና

          ዝገበረ ይግበር ኣምላኽ ይፍረደና

        እንታይ ሓጥያት ኣለዎ በልዎም ተበልና

     ምኣዲ ምትላል ሎምስ ኣንቆልቍሉ

     ሰብ ለቢሙ ኹሉ ኣይንህብን ኢሉ

     ሸኽ ናይ ዓድናኸ እንታይ’ሉ ምሒሉ?

     ንህግደፍ ዝኣምን ረቢ ይጽልኣሉ

ዝሽምጠጥ ስኢነን ኣህባይ ዝወፈራ

ሰብ ግራቱ ሓሊዩ ኩሉ በብታራ

ዓቢ ብምህለላ ጎበዝ በፈኸራ

ህግደፍ ተዋሪዱ ስኢኑ ባጤራ

     ጒድ’ዩ ተረኺቡ ኣየ ሕማቕ ዘበን

     ውርደት ርኢናሞ ከምዝስ ኣይነበረን

     ሰብ እልምን’ሞ ከምዝስ ኣይተራእየን

     ሳእኒ ይኣርግ’ሞ ከምዝስ ኣይበለየን

ንኣዳም ገረሞ ናይ ህግደፍ መንግስቲ

ምዓርግ ንጽሉል ንጥዑይ ማእሰርቲ

ግፈፉ መንእሰይ ዕጸዉ ትምህርቲ

ንሳዋ ስደዶም ፍርዲ ናይ መለኽቲ

     ረጊሞም ኣብጺሖም ዓበይቲ ሰያባት

     ዉሕ-ዉሕ ጸሊኦሞ በዚሖም ኣኽላባት

     ዝሕሎ ዘይብሎም መሰንበድ ህጻናት

     ምምንጣል ኣመሎም ዘይመሶብካ ምኽፋት

ግዜ ኣኺሉ’ዩ ዝጠለመ ይጥለም

ብኽበረት ገዲፉ ብሕፍረት ይዕለም

መልእኽቲ ውጹዓት ነጋሪት ይህረም

ፍርዲ ይወሃቦ ብህዝቢ ዝፍረም

ኣጆኹም ጀጋኑ ኣጀኹም ተብዓት

ቂም-ቂም ትብል ኣላ ናይ ህዝብና ስዓት

ስምረት ጥራይ በሉ ኪዳናዊ ጽንዓት!!! 


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2231

Posted by on Apr 24 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net