ደለይቲ ሓድነት ንሓዋሩ ምስ ዕግበት ዘይብሎም ኣይትስመሩ

ረ.ክ. (ባሻይ) ሓምለ 21-2005

ካብ ታሕቲ ተበገስ ደፋእ ኢልካ

ምእንቲ ክትድይብ ላዕሊ ገጽካ

ካብ ላዕሊ ኣይትንቀል ቍልቍል ኣፍካ

መታን ከይትወድቕ ሸታሕ ኢልካ

      ረጋእ በል ኣየድልን ዘብ-ዘብ

      ምስ ዕግበት ዘለዎም ተላዘብ

      ማይ ኣጻምእ ኣራግጽ ይበዝሖ

      ስራሕ ሃወኽ ጒዝጒዝ ይፍንጥሖ

ኣልዕሎ ጭራኻ ሰስ ኣብሎ

ወይልኻ ሃመማ ድኣ በሎ

ክኣትዉኻ ይመስሉ ጓዕማማት

ጽንሕ ኢሎም ይዀኑ ቀራናት

      ሓድሽ ስትራተጂ ሓድሽ ቅዲ

      ጽሩይ እኽሊ ዘይኣተዎ ጒርዲ

      መብጽዓ ኣትዩ ዝፈረመ ’ጻብዕ

      ኣብየት ዝብል ኣእዛኑ ዘይኰርዕ

ብፌርማ ዘይስዕስዕ ተመናዊ ጓይላ

ብተግባር ዝፍለጥ ነባሪ ደበላ

ሓይኹ ዝውሕጥ በስምረት ዝመጸ

ድሂጹ ዝፈሊ ዘይርከቦ ሕንጸ

      ኣስተውዒልካ ርአ ኣጒዶ ዝፈረሶም

      ዕግርግር ልማዶም ዘይቃዶ መልሶም

      ስምረት ዋዛ ’ይኮነን ኣይብዛሕ ቀበጥበጥ

      ንብረት ናይ ህዝቢ’ዩ ዘይሽየጥ ዘይልወጥ

ረብሪቡ’ዩ ህዝቢ ብሓሶት ዘረባ

ሓቂ ተዛሪብኩም ኣስቲዩዎ ጸባ

ድሕሪ ደጊም ይትረፍ ሸሓሒጥካ ንዓ

ልቕብቃብ ሓድነት ኣይንደልን ሰንዓ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2233

Posted by on Jul 21 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net