Poetry

ደለይቲ ሓድነት ንሓዋሩ ምስ ዕግበት ዘይብሎም ኣይትስመሩ

ረ.ክ. (ባሻይ) ሓምለ 21-2005

ካብ ታሕቲ ተበገስ ደፋእ ኢልካ

ምእንቲ ክትድይብ ላዕሊ ገጽካ

ካብ ላዕሊ ኣይትንቀል ቍልቍል ኣፍካ

መታን ከይትወድቕ ሸታሕ ኢልካ

      ረጋእ በል ኣየድልን ዘብ-ዘብ

      ምስ ዕግበት ዘለዎም ተላዘብ

      ማይ ኣጻምእ ኣራግጽ ይበዝሖ

      ስራሕ ሃወኽ ጒዝጒዝ ይፍንጥሖ

ኣልዕሎ ጭራኻ ሰስ ኣብሎ

ወይልኻ ሃመማ ድኣ በሎ

ክኣትዉኻ ይመስሉ ጓዕማማት

ጽንሕ ኢሎም ይዀኑ ቀራናት

      ሓድሽ ስትራተጂ ሓድሽ ቅዲ

      ጽሩይ እኽሊ ዘይኣተዎ ጒርዲ

      መብጽዓ ኣትዩ ዝፈረመ ’ጻብዕ

      ኣብየት ዝብል ኣእዛኑ ዘይኰርዕ

ብፌርማ ዘይስዕስዕ ተመናዊ ጓይላ

ብተግባር ዝፍለጥ ነባሪ ደበላ

ሓይኹ ዝውሕጥ በስምረት ዝመጸ

ድሂጹ ዝፈሊ ዘይርከቦ ሕንጸ

      ኣስተውዒልካ ርአ ኣጒዶ ዝፈረሶም

      ዕግርግር ልማዶም ዘይቃዶ መልሶም

      ስምረት ዋዛ ’ይኮነን ኣይብዛሕ ቀበጥበጥ

      ንብረት ናይ ህዝቢ’ዩ ዘይሽየጥ ዘይልወጥ

ረብሪቡ’ዩ ህዝቢ ብሓሶት ዘረባ

ሓቂ ተዛሪብኩም ኣስቲዩዎ ጸባ

ድሕሪ ደጊም ይትረፍ ሸሓሒጥካ ንዓ

ልቕብቃብ ሓድነት ኣይንደልን ሰንዓ!!!

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top