Poetry

ሓቦ እንተልዩ መናበሪ እምቢ ምዓስ ትብል ኰይና እግሪ

08/2806 ረ.ክ. (ባሻይ)

መብጽዓ ሓሺሹ ዝጠለመ

ከሺሕኩሞ እከይ ዝሓለመ

ስጒምትኹም ህዝቢ ኣበራቢሩ

ተዘኪሮም ኩሎም ዝተኣስሩ

      መገሻኹም ንሂሩ ገኒኑ

      ተዘኪሮም ሕጻ ዝተደፍኑ

      ሓቀኛ ልሳንኩም ሂቡ ቃሉ

      ተዘኪሮም ባሕሪ ዝጠሓሉ

በጺሓዶ ዋሽንግተን ከተማ

ዕለት ጽሓፉላ ነታ ጫማ

ክትዝከር’ያ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ

ጐደና ሓርነት ኣብ ኣስመራ

      ኣበርኪትኩም ተዘካሪ ግደ

      ከሺሕኩሞ ሓጥያት ዝለመደ

      ሕብሪ ጸረ-ሰላም ተበሊሉ

      ፈዲሕኩሞ ክሕደት ዝኣመሉ

መስፈር ሓሶት ምድንጋር ወልፉ

ኲሮ ህግደፍ ኰይኑ ቍልቍል ኣፉ

ስሪሒትኩም አለዎ መዳልያ

ጻማ ጻዕሪ ናይ ተበዓት ጒያ

      ኣየ ቀሚሽ ኣብዚ ’ኔኻ ስረ

      ምስ መኪና ዝመረሸ ማዕረ

      መገሻኹም ክብሪ ’ለዎ ዋጋ

      ድሮ ዓወት ታሪኻዊ ዳንጋ

ኣጋጣሚ ኣይኮንናን ጥቓ-ጥቓ

ክፋነወኩም’የ ብመርቓ

’ታይ ክገብር ቫንኮቨር ርሒቓ!!!

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top