ሓቦ እንተልዩ መናበሪ እምቢ ምዓስ ትብል ኰይና እግሪ

08/2806 ረ.ክ. (ባሻይ)

መብጽዓ ሓሺሹ ዝጠለመ

ከሺሕኩሞ እከይ ዝሓለመ

ስጒምትኹም ህዝቢ ኣበራቢሩ

ተዘኪሮም ኩሎም ዝተኣስሩ

      መገሻኹም ንሂሩ ገኒኑ

      ተዘኪሮም ሕጻ ዝተደፍኑ

      ሓቀኛ ልሳንኩም ሂቡ ቃሉ

      ተዘኪሮም ባሕሪ ዝጠሓሉ

በጺሓዶ ዋሽንግተን ከተማ

ዕለት ጽሓፉላ ነታ ጫማ

ክትዝከር’ያ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ

ጐደና ሓርነት ኣብ ኣስመራ

      ኣበርኪትኩም ተዘካሪ ግደ

      ከሺሕኩሞ ሓጥያት ዝለመደ

      ሕብሪ ጸረ-ሰላም ተበሊሉ

      ፈዲሕኩሞ ክሕደት ዝኣመሉ

መስፈር ሓሶት ምድንጋር ወልፉ

ኲሮ ህግደፍ ኰይኑ ቍልቍል ኣፉ

ስሪሒትኩም አለዎ መዳልያ

ጻማ ጻዕሪ ናይ ተበዓት ጒያ

      ኣየ ቀሚሽ ኣብዚ ’ኔኻ ስረ

      ምስ መኪና ዝመረሸ ማዕረ

      መገሻኹም ክብሪ ’ለዎ ዋጋ

      ድሮ ዓወት ታሪኻዊ ዳንጋ

ኣጋጣሚ ኣይኮንናን ጥቓ-ጥቓ

ክፋነወኩም’የ ብመርቓ

’ታይ ክገብር ቫንኮቨር ርሒቓ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2422

Posted by on Feb 28 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net