ንዝኽርንክብርን ነፍሲሄር ፍስሃየ ጀሽዋ
ዝኽሪ ንነፍሲሄር ፍስሃየ ጀሽዋ
ምእንቲ ሓቒ ን’ኤርትራ ክርህዋ
ብስቅያት ማኣሰርቲ ኣብ ጽሙዋ
ፍርዲ ከይ ረኸበ ንዓለም ተፋኒዋ
ማሕበረ ሰብ ዓለም ንዑኡ ጓኖትዮም
ብመት ጅሽዋ ብረድዮ የእውዮም
ዘይ ሰብ’ኣዊ ኣታሓሕዛ ኢሎም
ንመንግስቲ ኤርትራ ከሲሶም
ንዜጋታትና ጓኖት ክጣበቑሎም ከለው
እቶም ናይ ኤርትራ ጀጋኑ’ኸ ኣበለው
ጀጋኑ እና ሓቐቑ ቡምባ ዘይ ፍንው
ጀንራላት ኤርትራ ንኽዳዕ ክሕልዉ
ንኑጹሃት ዜጋታት ንጉድጓድ ዘእትው
ንፈልጦም ነቶም ቀተልቲ ዘይ ምሓርቲ
ሓቢርና ኔርና ንሩሑቕ ይኹን ንጎራባብቲ
ጺዒርና ንድሕነት ድምጽና ኩኾውን ሓንቲ
ኣብ ውልቀ መላኺ ኣሚኖም ሲኢና ሰማዕቲ
የስየፍ ጀሽዋ ተሳቒኻ ዝሓለፍካሉ ሓቂ
ክሰርብዩ ምስ ብርቱዕ ነጎዳ ኣኸቲሉ በርቂ
ታሩኡ ክቕንዞ ክዳዕ ጠላም ክጠፍእ ሰራቒ
ብድሕሪኦም ራህዋ ክኸውን ክውዳእ’ዩ ጭንቂ
ነፍሲሄር የስየፍ ጀሽዋ ኣጸቢካ ቅሰን
እቶም ንሞት ዝፈረዱኻ ሰብ ገበን
የእኺሎምዮም ሓዲኣ ኣላ ለብዝበን
በቲ ጹኑዕ ዕላማኻ ኣጽቢካ ተሓበን
ሪፖርትራት ዓለም ተዛሪቦም ብ’ኣኻ
ኣብ እስርቤት ኣብ ሞቑሕ ከለኻ
ኣብ ሰምናሮም ብልጫ ሰሊሞሙኻ
ካብ ቀደምካና መንግስተ ሰማይ ንዓኻ
ኣዋጽ’ኦ ነቲ ጭኩን ዝሓለችካሉ ህዝብኻ
ንኹሎም ቤተ’ሰቡን ፈተውቱን የዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም
ከም’ኡ ውን ንኹሎም ግድሳት ኤርትራውያን ኡሱራት ክፍቱሑ ኣለዎም ኢልኩም ንዓለም ብሰላማዊ ሰልፊን ብ’ኣጋር ጉዕዞን ዝጻዓርኹም ነዚ ንኸይመጽእ ብዓንተወኹም ዘእወኹም ኖ
ንዓኻትኩም ውን ጽንዓት ይሃብኩም።
ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ) ኣባል ግምባር ድሕነት ኤርትራ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3578