Notices

ኣኼባ ኮሚሽን ንደማክራሲያዊ ለውጢ ንኡስ ጨንፈር ካርልስሩሀን ከባቢኣን

መቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ። ቀጻሊ ኣኼባታት ንምክያድ ዘኽእል መደባትን ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ስርሓትን ኣብኡ ክቐርብ ዝድለ ርእይቶታትን ሕሳባትን ህዝቢ ዝእከበሉ ኣገባባትን እንታይ ዝበለ ከም ዝኸውን ክርአ እዩ።

 

ኵሎም፡ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ተኣልዩ ኣብ ቦታኡ ብዝሐ ሰልፍታት ዝፈቅድን ማሕበራዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ዝዕላምኡን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽትከል ዝባህጎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርልስሩሀን ከባቢኣን፡ ንመጻኢ ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ሓስባት ርእይቶ ንምቕራብን፡ ኣብ‘ቲ ጸኒሑ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ወከልቶም ንኽሰዱን፡ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ሎሚ ግዜኡ ምዃኑ ነዘኻኽሮም።

 ኣብ‘ዝን ዝቕጽልን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባታት‘ዚ ኵሉ ብህዝቡ ዝግደስ ኤርትራዊ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

 ዕለት፡ ሰንበት 27 መጋቢት 2011

 ቦታ፡ ሽታይን ስትራስሰ 23 – Gewerbehof 3. OG – Stein Str. 23 – 76133 Karlsruhe

ግዜ፡ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ

 ብድሓን ምጹ፣

 ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !!

 ህዝባዊ ሽማግለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13.03.2011

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top