ኣኼባ ኮሚሽን ንደማክራሲያዊ ለውጢ ንኡስ ጨንፈር ካርልስሩሀን ከባቢኣን

መቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ። ቀጻሊ ኣኼባታት ንምክያድ ዘኽእል መደባትን ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ስርሓትን ኣብኡ ክቐርብ ዝድለ ርእይቶታትን ሕሳባትን ህዝቢ ዝእከበሉ ኣገባባትን እንታይ ዝበለ ከም ዝኸውን ክርአ እዩ።

 

ኵሎም፡ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ተኣልዩ ኣብ ቦታኡ ብዝሐ ሰልፍታት ዝፈቅድን ማሕበራዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ዝዕላምኡን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽትከል ዝባህጎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርልስሩሀን ከባቢኣን፡ ንመጻኢ ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ሓስባት ርእይቶ ንምቕራብን፡ ኣብ‘ቲ ጸኒሑ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ወከልቶም ንኽሰዱን፡ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ሎሚ ግዜኡ ምዃኑ ነዘኻኽሮም።

 ኣብ‘ዝን ዝቕጽልን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባታት‘ዚ ኵሉ ብህዝቡ ዝግደስ ኤርትራዊ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

 ዕለት፡ ሰንበት 27 መጋቢት 2011

 ቦታ፡ ሽታይን ስትራስሰ 23 – Gewerbehof 3. OG – Stein Str. 23 – 76133 Karlsruhe

ግዜ፡ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ

 ብድሓን ምጹ፣

 ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !!

 ህዝባዊ ሽማግለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13.03.2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3809

Posted by on Mar 14 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net