Resistance

Washington, DC 27 May 2011

ህዝባዊ  ጻውዒት ንሰላማዊ  ሰልፊ፤

ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብሓፈሻ:  ኣብ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ኣደራዕ ከብቅዕን ኩሉንትንኣዊ ለውጢ ክቀላጠፍን: “ይኣክል ውልቀ-ምልኪ 20 ዓመት” ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን” ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።

እታ መስተርሆ ናጽነት ከተስተማቕር ዘይተዓደለት ሃገርና ኤርትራ መበል 20 ዓመት በዓል ናጽነት እተኽብሮ ዘላ ዕለት፤ ህዝብና ብሰንኪ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተቐዝፉ ዕሸላት ደቁ ዝወረዶ ከቢድ ሓዘን ንብዓቱ ከይነቐጸ እንከሎ እዩ። ነዚ ህልቂት እዚ እቲ “ሓደን ንሱ ጥራይን” ተሓታቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ናይ 20 ዓመታት ናይ ጭቆና ስርዓቱ ከብቅዕ ዝለዓለ ናይ ጸዋዒት መልእኽትና እነመሓላልፈላ ቅድስቲ መዓልቲ ክትከውን ስለ ዝግባእ ኣብ’ዚ ሰልፊ’ዚ ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ክሳተፍ ክቡር ሃገራዊ ጸዋዒትና ብትሕትና ነቕርብ።

ዕለት፡ Friday May 27, 2011

መተኣኻኸቢ ቦታ፡ Dupon Circle

ሰዓት፡ 9፡00 ቅ.ቀ.

ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌፎናት ደውሉ

703 850 5454  or 202-320 3947 or 571-215 4545 or 202-725 3886

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ

ዋሽንግተን ዲ.ሲ.

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top