ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን-ካናዳውያን ኣብ ከተማ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰ ይኤርትራ ጨንፈር ካናዳን ምስ ግዱሳት መንእሰያት ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ኦታዋ ብምትሕብባር ብዕለት 27 ጉንበት 2011 ፡ብምኽንያት እቶም 400  (ኣርባዕተሚእቲ) መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓንቲ ህሞት ዝሃለቑን ኣብ ፈቆዶ ስደት ዝግፍዑን ዝሃልቁን ዘለዉን ኣቓልቦን ተገዳስነትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንምስሓብ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ከም እውን ጸረ ምልኪ ዕስራ ዓመት ንምቁዋም ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ናይ ካናዳ ሕርቃኖምን ጥርዓኖምን ንክገልጹ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ገሮም።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ብመንእሰያት ዝተዕብለለ ምንባሩን ከምእውን ካብ ቶሮንቶ ንከባቢኣን ዝተሳተፍዎን ንመጀመርያ ግዜ ብዓይነቱ ፍሉይ ንህግደፍን ኮራኹሮምን ዘሰምበደ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ኔሩ።

ካብቲ ዝውዓለ ጭርሕታት ንምጥቃስ፡

v ምልኪ ይእከል ልዕልና ሕግ ይንገስ 

v ህልቂት መንእሰያትና ይኣክል

v ሕጊ ይንገስ

v ናይ ሕልናን ናይ ፖሊቲካን እሱራት እፈትሑ

v ይኣክል ምልኪ

ዝብል እዩ ኔሩ።

 

 

.

.

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4928

Posted by on Jun 1 2011 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net