ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ በርሚንጋሃም ኣንጻር ዑደት ኣምባሳደር ስርዓት ህግደር

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቀዳም ዕለት 28.05.2011 ካብ ሳዓት 6፡00 ክሳብ 8፡30 ናይ ምሸት ኣንጻር ዑደት ኣምባሳደር  ስርዓት ህግደፍ ናብ በርሚንግሃም ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ሽሕኳ ወይጦይታት ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውራይ ብሚስጢር ክዕቅብዎ እንተፈተኑ፡ እቲ ቦታ ተፈሊጡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓጽር ግዜ ኩሉ ዘድሊ ምድላዋት ብምግባር ንኣዳለውቲ ዘሰንበደ ሰለማዊ ሰልፊ እዪ ነይሩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝደጋገም ዝነበረ ጭሮሖታት “ ስርዓት ህግፍ ይወገድ፡ ሕጊ ይገበር፡ ፍትሒ ይንገስ” ዝብል ኮይኑ ኣብቲ ውሽጢ መላሃዪ ዝነበሩ ህጻናት ደድሕሪ እቲ ዝድመጽ ዝነበረ ጭሮሖታት ክደግሙ ዝራአዩ ወለዲ ብጣዕሚ ተረቢሾም ኣምሲዮም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዑደት ኣምባሰደርን ወፍሪ ለመና ህግደፍን ዳኣ’ምበር ኣንጻር ብዓል ናጽነት ከምዘይኮነን ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ገዲፎም ምስ ህዝቢ ተቃውማኦም ከርእዩ ድማ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእይ ንለውጢ

 ዓባይ ብሪጣንያ

31/05/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4966

Posted by on Jun 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net