መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 24 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ብስፊሕ ስለማዊ ስልፊን መዛናግዒ መደባትን ብድምቀት ተኸቢራ ውዒላ።

በዓል ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሳቦያ ንዳግማይ ምሕራር ካብ ባርነታዊ መግዛእቲ ህግደፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ግንቦት 24, 2011 ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ። ኣብዚ ሃገርና ብዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ዝኾነሉ ጊዜ ዝተገብረ በዓል ብሓደ ወገን መሬታዊ ሓርነትና ረኺብና ኣብ ዓለም ከም ሰብና ተፈሊጥና ክሳድና ዘቕናዕናላ ክትከውን ከላ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላትና ተሓሪምና ብሰንኪ ሕጊ ኣልቦ ፋሺስታዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብምሒር ጭቆናን ግፍዕን ህዝብና ፈቐዶ ዝተበታተነሉን ኣብ በረኻታት ግብጽን ኣብ ማያት ሜዲትራኒያን መንእሰያትና ኣደዳ ሞትን ስደትን ዝኾኑሉ ርእስና ዘድነንናሉ ዕለትውን ብሙኻና ነዞም ዕሸላት ተረከብቲ ሃገር እናሓስበሉን ኩነታት ሃገርና በዚ ሒዙዎ ዘሎ እንተቐጺሉ ኣብ ህዝብና ዝበጽሕ ጥፍኣት እንዳ ኣስተንተንና ንውዕለሉ ማዓልቲውን ኢዩ። መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያ ብከምዚ ዝበለ ድምቀትን ተሳትፎ መንእሰያትን ክበዓል ንመጀመርያ ግዜ ኮይኑ ዝተፈላለየ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ማለት ደቀንስቲዮ፡ መንእሰያትን፡ ቆልዑን ዝተረኽቡሉ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፍን ሙዚቃን ዘካተተ ኢዩ ነይሩ።

እቲ  በዓል ብተበግሶ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጥን  ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝተዳለወ ኮይኑ ሎሚ  ህግደፍ ንናጽነትና ጨውዩ መሰል ህዝቢ ገቢቱ ንመናውሒ ዕምረ ስልጣኑ ክብል ህዝቢ ብዛዕባ መሰሉን ህሉው ኩነታት ሃገሩን ከይሓስብ ብጓይላን ዳንኬራን ተዓቢጡ ከብዕሎን ህዝቢ ዋጋ ጽኑዕ ቃልሱን ክቡር መስዋእቱን ሙዚቃን ጊላነትን ንኽድበስን  ዝገብሮ እከይ  ሽርሕታት ብምፍሻል ናጽነትና ኪኖ ባይታውን ባንዴራውን ናጽነት ሰብኣዊ ክብርታትን ደሞክራስያዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ ዝኽበረሉን ኩሉ ዜጋ ማዕረ ተኻፋሊ ጸጋታት ሃገሩን ወናኒ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባውን ሃይማኖታውን መሰሉን ዝኾነላን ሃገር ብምህናጽ፡ ኤርትራ ፍትሓዊት ደሞክራስያዊ ሃገር ኮይና ንኽትነብር ነቲ ማዳ ናጽነትናን መንሽሮ ሃገርናን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ በቲ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ንኽቃለስ ሙካኑ ዘራጋግጸላን ቃል ዛኣተዉላን ድሙቕ በዓል እዩ ነይሩ።

ኣብቲ በዓል ኣባላት ዝተፈላለያ ውድባት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ፡ስደተኛታት ኤርትራውያን ፡ተምሃሮ መማህራን ፡ሙዚቐኛታት ዝተፈላለየ ዓይነት ክእለት ዘለዎም ነበርቲ ኣዲስ ኣባባን ከባቢኣን ዝኾኑ ኤርትራውያን ፡ወከልቲ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ:  ሕሰም ህዝብና ከብቅዕ ህግደፍ የብቅዕ:ይኣክል ዕስራ ዓመት ጭቆናን ወጽዓን: ዕስራ ዓመት ንዲክታቶርያው ምሕደራ! ህግደፍ ዓዲ ግደፍ:  እወ ንሰላም እምቢ ንዂናት ዝብሉን ካልኦትን ረዚን መልእኽቲ ዘለዎም ጭርሖታት እንዳስመዐ ካብ ሰዓት 9 ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 12 ፋዱስ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ኣካየደ ድሕሪ ፋዱስ ከኣ ብሃገራዊ ኮምሽንን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ዝቐረበሉ ነቲ በዓል ዝተዳለወ ሽሻይ ተቛዲሱ ናብቲ ብወናማት ደረፍቲ ኤርትራውያን ዝተዳለወ መደብ ሙዚቃ ተሰጋጊሩ በዓል ናጽነት ንለውጣዊ ቃልሲ ብዝዕድሙ ደርፍታትን ዝተፈላለዩ ምድላዋትን ክሳብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ክዘናጋዕ ምስ ጸንሐ በዓል ናጽነት ኤርትራ 24ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣብቲ ዕለት ብድምቀት ተዛዚሙ:: 

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት  ስርዓት ኢሳያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን-  ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

24 ግንቦት 2011

www.encdc.com

 

for more  pictures, please click HERE
.

.

.

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4905

Posted by on May 29 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net