ኣገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ ካብ በርሚንግሃም ኣብ ሃገርዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ኣብ በርምንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ

ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንሃገራዊ ኮሚሽን ንኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ናይ ምድላው ስርሓ ኣብዚ እዋን እዚ ብምዝዛም ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ። ንኩሎም ወከልቲ ናይ ኩለን ደገፍቲ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዘብቲ፣ ንጡፋት ምዝጉባት ኣባላት ኮይንኩም ጉቡእ ክፍሊት ገንዘብ ዘማላእኩም ድማ ምሉእ መሰልኩም ኣብ ምርቋሕ፣ ምድማጽን መስርሕ ምርጫ ክትጥቀምሉ ትዕደሙ። እቶም ክሳብ ሕጂ ግቡእኩም ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ዘየማላእኩም ክሳብ ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ምስ ዘይተማልኡ መሰልኩም ናይ ምስታፍ ኣብ ምርጫ ክትስእኑ ትኽእሉ።

ነዚ ዕድል ተጠቒማ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንኩሎም ብትግሃትን ከይተቖጠቡን ግዚኦም ኣወፊዮም ካብ መጀመርታ ዝጸዓሩ፣ ክሳብ መወዳእታ ብኸምኡ ጸዓትን መንፍስን ክሳብ ምዕዋት ናይ መስርሕ ለውጢ ክቕጽልዎ እናተተስፈወት ዓፙቕን ደረት ዘይብሉን ክብርን ምስጋናን ንዕኦም ክትገልጸሎም ትፈቱ።

 

ዕለት ናይ ኣኼባ:  ሰንበት 02 ጥቅምቲ 2011

ግዜ፣ ሰዓት 2፣00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፣ Alnoor

118 Stratford Road

Birmingham

B11 1AJ

ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5834

Posted by on Sep 29 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net