Notices

ኣገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ ካብ በርሚንግሃም ኣብ ሃገርዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ኣብ በርምንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ

ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንሃገራዊ ኮሚሽን ንኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ንምምራጽ ናይ ምድላው ስርሓ ኣብዚ እዋን እዚ ብምዝዛም ህዝባዊ ኣኼባ ትጽውዕ። ንኩሎም ወከልቲ ናይ ኩለን ደገፍቲ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዘብቲ፣ ንጡፋት ምዝጉባት ኣባላት ኮይንኩም ጉቡእ ክፍሊት ገንዘብ ዘማላእኩም ድማ ምሉእ መሰልኩም ኣብ ምርቋሕ፣ ምድማጽን መስርሕ ምርጫ ክትጥቀምሉ ትዕደሙ። እቶም ክሳብ ሕጂ ግቡእኩም ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ዘየማላእኩም ክሳብ ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ምስ ዘይተማልኡ መሰልኩም ናይ ምስታፍ ኣብ ምርጫ ክትስእኑ ትኽእሉ።

ነዚ ዕድል ተጠቒማ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ንኩሎም ብትግሃትን ከይተቖጠቡን ግዚኦም ኣወፊዮም ካብ መጀመርታ ዝጸዓሩ፣ ክሳብ መወዳእታ ብኸምኡ ጸዓትን መንፍስን ክሳብ ምዕዋት ናይ መስርሕ ለውጢ ክቕጽልዎ እናተተስፈወት ዓፙቕን ደረት ዘይብሉን ክብርን ምስጋናን ንዕኦም ክትገልጸሎም ትፈቱ።

 

ዕለት ናይ ኣኼባ:  ሰንበት 02 ጥቅምቲ 2011

ግዜ፣ ሰዓት 2፣00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፣ Alnoor

118 Stratford Road

Birmingham

B11 1AJ

ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ተሓጋጋዚት ሽማግለ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top