ቀዳማይ ጉባኤ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዘየዋላውል መሰል ኢዩ አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ አብ ከተማ ሰመራ ክልል ዓፋር ኢትዮጰያ ተዛዚሙ፡፡

እቲ አብ ግንበት 2009ዓ.ም.ፈ መስራቲ ጉባኤኡ ዘካየደ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ቀዳማይ ጉባኤኡ ሎሚ ዕለት 26መስከረም 2011 አብ ከተማ ሰመራ ዓፋር ክልል ኢትዮጰያ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ብዕለት 27መስከረም 2011ዓ.ም 6ዓንቀጻት ዝሓዘ ውሳኔታት ለበዋታትን ብምሕላፍ ጉባኤኡ ዛዚሙ፡ እቲ ግደ መንእሰይ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነደንፍዕ አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ሱዳንን የመንን ካልኦት ከባቢታት ክፍላተ ዓለም ብመንገዲ ሰካይቢን ካልኦት ዘመናዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ብቐጥታ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኮይኑ ልዕሊ 270 አባላት መንእሰያትን ተማሃሮን ተሳተፍቲ ጉባኤ አብ ሰመራ ተረኺቦም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ፡፡ እቶም ንኽትዕ ቐሪቦም ዝነበሩ አጀንዳታት መጻኢ ዕድል ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ክረጋገጽ ዝኽእል ህዝቢ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ምስ ዝውስን ጥራይ ኢዩ ዝብልን ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ግደ መንእሰያትን ተማሃሮን እንታይ ክኸውን አለዎ ዝብሉን ከምእ›ውን መንእሰያት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ ደንካልያ ዘካጥሞም ዘሎ ብደሆታትን ጸገምን ዘትዮም፡፡ አብ መጨረሽታ አብ ጎኒ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተሰሊፍካ ጉቡእካ ምብርካት ማለት ክሓስበሉ ዘይበሃል ጉዳይ ምኻኑ አብቲ ጉባኤ አስሚሮምሉ፡፡ እዚ ሕጂ አብ ሰሜን አፍሪቃን ካልኦት ዞባናን ዝረአዩ ዘለዉ ምዕባለታት፡ መንእሰይ ትኩስ ሓይሉ አፍሲሱ ዘርእዮም ዘለዉ ምዕባለታት ምኻኖም ድሕሪ ምዝኽኻር ንሕና ብወገና ልዕሊ›ቶም አብ ሰሜን አፍሪቃ ዝተወጽዑ መንእሰያት ከምምኻና ምስ ኩሉ ዉጹዕ መንእሰይ ኤርትራ ሓቢርና ነቲ ሕማቕ ስንብራት አብ ቆልዑን ነኣሽቱን አረገውትን መንእሰያትን ዘሕደረ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ክንዕጠቕ ይግባአና ኢሎም፡ እቶም ተጋበእቲ ነዚ ማሕበር እተንጥፍን እትከታተልን ካብ መንጎኦም ሓንቲ 24 ዝአባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካብ መንጎ ማእከላይ ኮሚቴ ድማ 9 ዝአባላታ ፈጻሚት ኮሚቴ መዚዞም ደምዳሚ አዋጅ አሕሊፎም፡፡ አብቲ ዉዕዉዕ መንፈስ ዝዓሰለ ጉባኤ ወከልቲ ኩለን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ደቂ-አንስትዮን ተረኺቦም ናይ ደገፋ መልእኽታቶም አስሚዖም፡ መንእሰያት ዓፋር ኢትዮጰያ›ውን ብወገኖም ብተመሳሳሊ ናይ ሓጎስን ደገፍን መልእኽቶም ብመንገዲ ወከልቶም መደረ አስሚዖም፡፡  ከምእ›ዉን ዑዱማት መራሕቲ ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብቲ ናይ መኽፈትን ናይ መዛዘምን ጉባኤ ተረኺቦም ብመንገዲ አቦ-መንበር እቲ ውድብ አቶ ኢብራሂም ሃሮን ናይ ደገፍ መልእኽቱ አስሚዑ፡ ንሱ አብ መደርኡ ግደ በርገሳዊያን ማሕበራት አብ ቃልሲ ንፍትሒ ዓብይ ከምምኻኑ መጠን እንካዕ ነዚ ማሕበር አብ ምምስራት ተዓወትኩም ሰራሕኩም ዑዙዝ ይኹን፡ ንሕና ንመሰል ህዝብና እነካይዶ ቃልሲ ምሳኹም ኮይና ክንዕወት ምኻና ጥርጥር የብለይን አሉ መደረኡ ዛዚሙ፡፡  ብተመሳሳሊ ዜና አዳላዊት ሽማግለ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ አብ 15 ጥቅምቲ 2011 ዝካየድ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ምድላዋታ ዛዚማ ጉባኤ ንምዕዋት ባጀት አብ ምእካብ ከምትርከብ አቦ-ወንበር አዳላዊት እታ ሽማግለ ገሊጹ፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5830

Posted by on Sep 29 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net