ጋዜጣዊ መግለጺ ‘ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን’ – ሓድሽ ፓልቶክ ገዛ

ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፣

ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ ተኣፋፊ እዋን ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ ካብዚ ናይ ታሪኽ ግሪምቢጥ ተላቒቕና ናብቲ ንቡር ሂወት ንምምላስን ሕድሪ ሰማእታት ክዉን ንምግባርን ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ በቃ ይኣክል ኢሉ ንመሰረታዊ ለውጢ ብናህሪ ተበጊሱ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንሕና‘ውን ከም ሰብና ዓቕምና ዝፈቕዶ እጃምና ንምብርካት ኣብ’ቲ መስመር ኔርናን ኣለናን።ብፍላይ ካብዛ ተስፋ ዝወለደት ዝሓለፈት ዓመተ 2011 ጀሚርና ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብቲ ቓልሲ ክንነጥፍ ዝጸናሕና ደቂ ህዝቢ ኢና።

ኮይኑ ግን ዝሓሸ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ኩሉ መንገድታትካ ትሰማማዕ ማለት ኣይኮነን ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ድማ ልሙድን ባህሪያውን ጌርና ወሲድና ምስ ኩሉ ደላይ ሓቂ ኣብ’ቲ ዘሰማማዓና መሰረታዊ ሓሳብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንኽንሰርሕ ከም መትከል ወሲድና በቲ ክንክተሎ ኣለና ኢልና እናኣምነሉ መንገዲ ንኽንሰርሕ ዝወሰንና ደለይቲ ፍትሒ ኢና።

ራኢና ኣብ ኤርትራ ፍትሕን፥ ዲሞክራስን ፥ ስርዓተ ሕግን ንኽነግስ ዝቃለስን ዘቃልስን፥ ንግላዊ ውደባዊ ጥርናፈ የኸብር፣ ኮይኑ ግና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ይሰርዕን፡ ይሰርሓሉን፡፡

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምምጻእን ነቲ ንሕብረተሰብና ሓሊኩ ሒዝዎ ዘሎ ርእይቶኻ ብሓርነትን ፣ ብምክብባርን ምግላጽ፣ ንፍሉይ ሓሳብ ዘለዎም ምስማዕ፣ ኣብ ክንዲ ተጻይ ምርኣይን ኮታ ኩሉ ምጽውዋርን ምክእኣልን ንምንጋስ፥ ከማኡውን ምስ ህልው ኩነታት ሃገርና ዝኸይድ፣ ንህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምልዕዓልን ብግብሪ ናብ ባይታ ከምዝወርድ ምትብባዕን ምጉስጓስን እዩ፡፡

ራኢ ውሳኔና ናብቲ ገጂፍ ጸላኢና ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ዘተኮረ ድኣ’ ምበር ምስ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ንምትህልላኽ ከም ዘይኮነ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። ካብ’ዚ መትከላዊ እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ ካብ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣድላይ ደገፍ ከምዘይንፈገና ጽኑዕ እምነትና እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ፓልቶክ ምዕቡል ናይ ፖለቲካ ዘተ ንምክያድ፣ ምእንጋድ ናይ ተፈላለየ ሓሳባትን ምጽውዋርን መሰረታውን ኣገዳስን ምዃኑ ስለንኣምን፣ ነዚ ንምትግባር ሓድሽ ናይ ፓልቶክ ገዛ ምኽፋት አገዳስነቱ ስለዝተራእየና፣ ንራኢና ንኸነተግብር ሎሚ ዕለት 1 መስከረም 2012፣  ‘ተሻሞ  ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን’ (Teshamo Eritrean for Democracy and Justice)  ዝብል ናይ ፓልቶክ ገዛ ንኸፍት ስለዘለና፣ ንኹሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ንምዝታይ ኣብቲ ንኽፍቶ ገዛ መጺእኩም ንኽትዋስኡ ብኽብሪ ንዕድም።

ዝተጨውየ ፍረ ቃልስና ብናይ ሓባር ቅልጽምና ክምለስ’ዩ!!!!

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!!!!!

ካብ ገዛ ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን!!!!!!!!!!!!

ተሻሞሞሞሞሞ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

1 መስከረም 2012

Teshamo2012@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7642

Posted by on Sep 1 2012 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net