Notices

መጸዋዕታ ንኹልኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስቶክሆልምን ከባቢኣን

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ብቓላት ዝግለጽ ኣይኮነን ናይዚ ኩሉ ጠንቅን እንኮ ተሓታትን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ድማ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣዚዩ ህጹጽ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ተጠቂምካ ነዚ መንሽሮ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብምልጋስ ንህዝብና ራህዋን ቅሳነትን ከም ዘስተማቅር ምግባር ኢዩ። እዚ ክውን ንምግባር ድማ ኩሉ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ንዘለዎ ካልኣዊ ፍልልይ ብምጽባብ ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕሚ ኣብ ሓደ ብምጽማድ ቅልጡፍ ዝኾነ ዓወት ከነመዝግብ ንክእል ኢና ንብል። ኤ.ሃ.ባ. ድማ ካብቲ ቀንዲ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዕላማታት ስለዝኾነ ነዚ ንምዕዋት ድማ ሱታፌ ናይ ኩሉ ህዝቢ ክህሉ ወሳኒ ኢዩ።

 

ዓመታዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምግባእ ኩሉ ኣባል ካብ ምሉእ ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምብጋስ ይርከብ ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ሽወደን እንርከብ ኣባላት ቅድሚ ምኻድና ምስ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ዝኾነ ህዝብና ክንራኸብን ክንመያየጥን ከምኡ እውን ሓስብኩምን ምኽርኹምን ለበዋኹምን ሒዝና መታን ክንከይድ ብኣኽብሮት ንዕድም።

ብድሓ ምጹ

 

ዕለት ቀዳም 23ሕዳር

ቦታ ABF Hallonbergen

ሰዓት 16:30

 

 

ሽማግለ ኤ.ሃ.ባ. ስቶክሆልም

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top