መጸዋዕታ ንኹልኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስቶክሆልምን ከባቢኣን

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ብቓላት ዝግለጽ ኣይኮነን ናይዚ ኩሉ ጠንቅን እንኮ ተሓታትን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ድማ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣዚዩ ህጹጽ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ተጠቂምካ ነዚ መንሽሮ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብምልጋስ ንህዝብና ራህዋን ቅሳነትን ከም ዘስተማቅር ምግባር ኢዩ። እዚ ክውን ንምግባር ድማ ኩሉ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ንዘለዎ ካልኣዊ ፍልልይ ብምጽባብ ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕሚ ኣብ ሓደ ብምጽማድ ቅልጡፍ ዝኾነ ዓወት ከነመዝግብ ንክእል ኢና ንብል። ኤ.ሃ.ባ. ድማ ካብቲ ቀንዲ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዕላማታት ስለዝኾነ ነዚ ንምዕዋት ድማ ሱታፌ ናይ ኩሉ ህዝቢ ክህሉ ወሳኒ ኢዩ።

 

ዓመታዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምግባእ ኩሉ ኣባል ካብ ምሉእ ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምብጋስ ይርከብ ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ሽወደን እንርከብ ኣባላት ቅድሚ ምኻድና ምስ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ዝኾነ ህዝብና ክንራኸብን ክንመያየጥን ከምኡ እውን ሓስብኩምን ምኽርኹምን ለበዋኹምን ሒዝና መታን ክንከይድ ብኣኽብሮት ንዕድም።

ብድሓ ምጹ

 

ዕለት ቀዳም 23ሕዳር

ቦታ ABF Hallonbergen

ሰዓት 16:30

 

 

ሽማግለ ኤ.ሃ.ባ. ስቶክሆልም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8032

Posted by on Nov 19 2012 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net