Notices

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት፡ ማሕበር ግበረ-ሰናይ ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓመተ-ሰናይን፡ ራህዋን ይግበረልኩም ይብል።

 

ዓመተ-ምህረት 2012፡ መቐጸልታ ናይ ስቅያትን ምረትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ካብዚ ገባቲ ስርዓት ንምህዳም ንጃምላዊ ስደትን ኣደዳ ምድረ-በዳ ሲናይን ኮይኑ፡ ኣካላቱ ብህይወቱ እንዳ ሰምዔ እንዳ ራኣየ ብበድዊን ተዘሚቱ ኣብ ዕደጋ ዝሽየጠሉ ዘሎን፡ ደቂ ኣንስትዮና ገና ንዓመጽን ካልእ ስቅያትን ዝቃላዓሉ ዘለዋ ዓመት እያ ነይራ፡፡

 

ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ስቅያት ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ተቦንቂሩ፡ 2013 ኩሉ ዓይነት ስቅያት ህዝብና ኣብቂዑ፡ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ኣብ ህንጻ ሃገር ዝዋፈርሉ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታትና ናብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ዝምለስሉ ዓመተ ራህዋን ሰላምን ክኸውን ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

 

 

ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

kebireuk@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top