ክፉት መጸዋዕታን ዕድመን ንተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብዳህ ንጥፈታት ምእካብ ገንዘብን ፖለቲካዊ ጎስጋሳትን ህግደፍ ኣብ መልበርን

ብስም “ባህላዊ ፈስቲቫል”ን ካልእ ኣስማትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ካብ ኣብ ደገ ዘለው ኤርትራውያን ዘይሕጋዊ 2% ቀረጽ ካብ ኣታዊታቶም እናኽፈለን ዝተሓላለኸ መርበብ ምስግጋር ሰባት እናካየደን ገንዘብ ይእክብ:: ከምኡ እንዳገበረ ከኣ ዕምሪ ስልጣኑ የናውሕን ስቓይ ህዝብ የጋድድን:: ነብስ ወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ከኣ እዚ ስቓይ ህዝቢ ተረዲኡ ኣንጻሩ ደው ክብል ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎ::

መቐጸልታ’ቲ ንዓመታት ክግበር ዝጸነሐ ልሙድ ተቓውም ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያ: ከተማ መልበርን ሕጂ’ውን ከምቀደማ ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስቲ ንህዝቡ ድሕር ዘይብል ደላይ ሰላምን ዲሞክራስን ዝኾነ ተባዕ ኤርትራዊ ኮይና ተዳልያ ከምዘላ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ::

ኣብዚ ዓመት’ዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዓቢ ተቓላሳይን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሓውና መምህር ሳልሕ ቓዲ ኣብ’ዚ ኣንጻር መጋበርያ ጭቆናን መአከቢ ገንዘብን ዝኾነ “ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ” ዝግበር ዓመታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳታፊ ምኻኑ ዓቢ ክብሪ ይስመዓና:: ሓውና ሳልሕ ቓዲ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝመጽእ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ክንክንን ብምምስጋን ኣብ መንጎ ምስ ህዝቦም ደው ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ውፉያት ኤርትራውያን ኮይኑ ድምጹ ከስምዕ ምኽኣሉ ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ:: በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንክሳተፍ ይጽውዕ::

ንተደናገጽቲን ደገፍትን ህግደፍ ከኣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዓስቢ ኣብ ክንዲ ምሃብ ሓገዞም ከቃርጹ ብስም እቲ ለይትን መዓልትን ተጸቒጡ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ንጽውዕ:: ነቶም ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፉ ዝሓስቡ ዘለው ዳግም ክሓስቡሉን ሓሳቦም ክቕይሩን ኣትሪርና ንምሕጸን:: ነቶም ዘይወሰኑን ክሳብ ሕጂ ስቕታ መሪጾም ክዕዘቡ ዝጸንሑን ከኣ ይኣክል እንዳበልና ምሳና ክጽንበሩ ንዕድም::

ዓመት ዓመት ነዞም ዝስዕቡ ኣብ ኣእምሮ ግዱሳትን ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ዝመላለሱ ኣገደስቲ ሕቶታት ንሓትት:

1. እዚ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብህዝቡ ይግደስ’ዶ?
2. ስቓይ ህዝቢ ንምቅላል እዋናውን ኣገደስትን ስጉምትታት ይወስድ’ዶ?
3. ከም’ቲ እቶም ኩላትና ካብ’ቲ ፌስቲቫል ወጻኢ ዘለና ንሓቶ ዘለና: እዚ ስርዓት ኣብ ፍትሒ ይ’ኣምን ዶ?
4. ሽም እቲ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን እዩ:: እዚ ግንባር’ዚ ትርጉም ናይቶም ኣብ ስሙ ዘለው ቃላት ይርድኦ’ዶ? ብኣንጻሩ እዚ ስርዓት’ዚ ህዝባዊ ግንባር ንውልቀ ምልክን ማእሰርትን ተባሂሉ ክስመ ኔርዎ:: በዚኦም ተግባራቱ ስለዝልለ::
5. ንምካኑ ኩናት ጥራይ ድዩ መፍትሒ ሽግራት ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራትናን?
6. ስርዓት ኤርትራ መንእሰያት ንምንታይ ብብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይወጹ ከምዘለዉ ይፈልጥ’ዶ? መንእሰያትና ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ሰሓራታትን ሲናያትን ንኸይሞቱ እንታይ ዝወሰዶም ጭቡጣት ስጉምትታት ኣለዉ?
7. ንምንታይ እያ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘይብላ?
8. ንምንታይ እዩ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ከብሒ ተኸዚኑ ተሪፉ?

ስለዚ ክሳብ መሰረታውን ጭቡጥን ፍታሓት ንህዝብናን ንሃገርናን ዝርከብ ነዚ ስርዓት ክንነጽጎ ኢና: ተቓውሞና ከኣ ኣይከነቃርጽን እና::

በቃ! ዝሓለፈ ይኣክል!! ንመሰል ህዝብና ንቃለስ!!
እወ ንዲሞክራሲ!! ኣይፋል ንምልኪ!!
እወ ንሕጋዊ ስርዓተ ምሕደራ!! ኣይፋል ንዘይሕጋዊን ኣረሜናዊን ቅንጸላ ዜጋታት!!
ፍትሒ ንናይ ሕልና እሱራት: ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታትን!!
ኣይፋል ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት!! ፍትሒ ንመራሕትን መማህራንን ሃይማኖት!!
ክብሪ ንዓበይትናን ንባህልናን!!
ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብህዝባዊ ሓይሊ ክእለ እዩ!!

ሓበሬታ ሰላማዊ ሰልፊ
ዕለት: ዓርብ 11ን ቀዳም 12 ጥሪ, 2013
ግዜ: 7 ድ. ቀ. – 10 ድ. ቀ.
ቦታ: Polish Club, 4 Carrington Drive, ኣልቢዮን (መልወይ 26 – C9)

ኣዳላዊት ኮሚተ ሰለማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ (መልበርን)
9 ጥሪ 2013

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8282

Posted by on Jan 11 2013 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net