News

ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ማለት ኣብ ሎስኣንጀለስ፤ ሳንበርናርዲኖ፤ ሳንድያጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብምእካብ ንዋዕላ ዝኽዱ ሰባት መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ሰባት ካብ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ብዝተኻእለ መጠንውን ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታትን ከባብን ዝውክሉ ኮይኖም ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ሓራ ዝኾኑ ምዃኖም እቲ ገዛ ርእዩ።

እቶም ንዋዕላ ዝኽዱ ሰባት ዘድሊ ምኽርን ለበዋን እውን ሰኒቖም። ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ ብምውካል ከኣ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራን ካብ’ቲ ዘለዎ

ግብ ዝበለ ጸላም ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ከእትዎ ዘኽእል ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክሰርሑን ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ድማ

ተራ ክጻወቱን ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ መብጽዓ ኣትዮም።ቕድሚ ምብጋሶም ከኣ ቓለ መሓላ ጌሮም ክብገሱ ተወሲኑ።

ኣምራጺት ሽማግለ ዋዕላ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ

ሰነ 19፤ 2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top