ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዋላ ዝከዱ ሰባት መሪጾም

ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ማለት ኣብ ሎስኣንጀለስ፤ ሳንበርናርዲኖ፤ ሳንድያጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብምእካብ ንዋዕላ ዝኽዱ ሰባት መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ሰባት ካብ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ብዝተኻእለ መጠንውን ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታትን ከባብን ዝውክሉ ኮይኖም ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ሓራ ዝኾኑ ምዃኖም እቲ ገዛ ርእዩ።

እቶም ንዋዕላ ዝኽዱ ሰባት ዘድሊ ምኽርን ለበዋን እውን ሰኒቖም። ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ ብምውካል ከኣ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራን ካብ’ቲ ዘለዎ

ግብ ዝበለ ጸላም ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ከእትዎ ዘኽእል ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክሰርሑን ካብ ኩሉ ጸቢብ ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ድማ

ተራ ክጻወቱን ነቲ ዝለኣኮም ህዝቢ መብጽዓ ኣትዮም።ቕድሚ ምብጋሶም ከኣ ቓለ መሓላ ጌሮም ክብገሱ ተወሲኑ።

ኣምራጺት ሽማግለ ዋዕላ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ

ሰነ 19፤ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=832

Posted by on Jun 22 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net