ኣገዳሲ መግለጺ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኩሎም እቶም ጸረ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ንሓድነት ደንበ ተቓውሞ ዝድግፉ ውድባትን፣ ምንቅስቓሳትን፣ ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን፣ ምሁራንን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን፣ ዓበይቲ ዓድን፣ ወነንቲ ዝተፈላለዩ መዓከናት ዜናን መንእሰያትን፣ ደቂኣንስቲዮን ካልኦት ክፍልታ ሕብረተሰብናን ወዘተ ዝሳተፉዎ ሰፊሕ ዋዕላ ንክጋባእ ናብ ናይ መጨረሽታ ምዕራፍ እናተሰጋገረ ይመጽእ ምህላው ሓደ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናይ ህዝብና ኣብ መስርሕ ሓድነታዊ ተጋድሉኡ እዩ፡፡

እዚ ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ሓምለ 2010 ንክጋባእ ዝኸይድ ዘሎ ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ እዚ፡ ከም ፈላሚ ታሪኻዊ ዋዕላ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ተጋድሎና ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራሲን መጠን ነፍስ ወከፍ ናይ ለውጢ ዓቅሚታት ከምቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ደጋጊማ ክትሕብሮ ዝጸንሔት ክማልኡ ዘለዎም ተዳላይነታት ኣብ ግዚኡን እዋኑን ክማልኡ   ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሕጂ እውን ብኣጽንዖት የማሕጽን፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነቶም ድሮ ነዚ ታሪኻዊ ዕማማት እዚ ከማልኡ ዝጸነሑን ዘለውን ኩሎም ናይ ለውጢ ዓቅምታት ሕብረተሰብና ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝገብሮዎ ምትሕብባር ገና ዝቅጽልዎ ዘለውን ሃገራውያን ኩሎም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ልዑል ኣድናቆትናን ምስጋናን ነቕርበሎም፡፡ እቲ ኩሉ ክካየድ ዝጸንሔን ዘሎ ምድላዋት ብጽቡቅ ይስጉም ዘሎ ኮይኑ፡ ዋዕላ ኣብቲ ተመዲቡሉ ዘሎ ጊዜየን ቦታን ክጋባእ ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ፡፡

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

19 ሰኔ 2

Short URL: https://english.farajat.net/?p=826

Posted by on Jun 22 2010 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net