ጋዜጣዊ መግለጺ

23/01/2013

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኤርትራዊ ፎርም ንዘተን ልዝብን፡ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምቅልጣፍን ጨቋንን ገባትን ስርዓት ኤርትራ ኣውዲቅካ፡ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽን ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ይግባእ ዝብል እምነቶም፡ ዑቱብ ስራሓት ብምክያድ ኩሉ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን፣ ኣብ ሓደ ባይታ ብምስማርን፡ ንሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይልታት ለውጢ ናይ ምጥርናፍ መስርሕ፡ መርሆ ዘተን ልዝብን ምክታል እቲ ኣገዳስን ግብራውን መሳርሒ ምዃኑ ብምእማንን፡ ክልቲኡም ሸነኻት ኣብ ብዙሓት ነጥብታት ሓባራዊ ምርድዳእ በጺሖም ። እዞም ሓባራዊ ነጥበ ስምምዓት ድማ ኣብ ግብሪ ንኣወዓዕልኦም ብዝምልከት ናይ ሓባር ትልሚ ሓንጺጾም። ክልቲኦም ሸነኻት፡ እቲ ብደም ስዉኣትና ዝዓዅኸ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምዕቛብን፡ ንሓድነት ህዝብናን ልዑላውነት ሃገርናን ቀንዲ ሃዳዲ ኰይኑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ምውዳቕን፡ ካብ’ቶም ኣብ ቃልስና ቀዳምነት ዝሕዙ ጉዳያት ብምዃኖም ኩሉ ዓቕምታቶም ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከዋፍሩ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ ስርዓት ኤርትራ ንምንጻሉን ኣዕናዊ መርሆኡ ንምቅላዕን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሰሚናራትን ብምድላው፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ብዕቱቡነት ንክሳተፍ ተወሃሂድካን ተራዳዲእካን ሓባራዊ ስራሓት ንምክያድ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ርእዮም። ከምኡ’ውን ንፍትሓዊ ጉዳይ ህዝብና ደገፍቲ ንምርካብ፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኣህጉራዊ ውድባትን መንግስትታትን ሓባራዊ ጐስጓስ ንከካይዱ ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘጋጥሙ ዝተፈለለዩ ጸገማት ብፍላይ ድማ ህጹጽነት ዘለዎም ምስ ዝዀኑ፡ ኣብ ምእላይ ዝሕግዙ ሓሳባት ንምልውዋጥ፡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ንኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዉን ወጻኢ ካብኡን ዘጠቓለለ ሓድነት ተቓውሞ ሓይልታት ንምርግጋጽ ብዝምልከት፡ ሓባራዊ ኣመላኽታ ንኽህልዎም ቀጻሊ ዘተን ልዝብን ንኸካይዱ ተረዳዲኦም።

ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ብኣራሚ ምንቅስቓስ ዝፍለጥ፡ ብሓልይልታት ሰራዊት ኤርትራ ዝተኻየደ ስርሒት ብምምጓስ፡ ዋላ’ኳ ዕላማታቱ ብምሉኡ ዘጌት እንተዘይተረጋገጸ፡ ተባዕ ስጉምቲ ኣንጻር ጨቛኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ሓርነትን ፍትሕን ዝሓተት ዘሎ ህዝብና ደው ክብል ቅሩብ ምዃኑ ዝሕብር ዓቢ ምልክት ኢዩ።

ስለ/ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ስለ/ ኤርትራዊ ፎርም ንዘትን ለውጥን
ፍስሃጽየን ገብረ ዑመር ጃብር ዑመር
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ኣቦ መንበር ምምሕዳራዊ ባይቶ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8373

Posted by on Jan 30 2013 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net