ውረድ በሎ!!
ብገዛኢ ኪዳነ
ሓንቲ’ያ እታ ሕቶ 2ይቲ ዘይብላ
ውረድ በሎ ካሊእ ኣይትወስኸላ፡
ካብ ህግደፍ ፍትሒ ኣይትጸበ
ከይሞልቕ ጥራሕ ሸጉሮ’ቲ ደንበ።
ውረድ በሎ ካብቲ እንግድዓ
ሰላም ክነንግስ ኣሎና መብጽዓ፡
እምቢ’ንተበለ ከምታ ናይ ቀዛፊ
እናረኣየ ሰንድዎ ናብ ጸድፊ፡
ድገሞ ታሪኽ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ
ተስእ’ታ ህዝቢ ይኣክል ደጊም በቃ፡
ጎሓፎ ንምልኪ ተጎዝጎዝን ንፍትሒ
ኣጆኻ ተዓጠቕ ኤርትራዊ በጽሒ፡
ውረድ በሎ ካብ እንግድዓ ህዝቢ
ህዝብና ክድበስ ናይ ድኻሙ ዓስቢ፡
መንጥሎ ብሓይሊ’ቲ ህዝባዊ ስልጣን
ፍትሒ ዘይፈልጥ ኣረመኔ ሰይጣን።
እምቢ እንተበለ በሎ በቲ ሻፎ
ከም ነብሪ ኣንበሳ ፋረኻ ከይፎ፡
ውረድ በሎ ኣኹድድ ኣብቲ ግቢ
መሬት ክትጸቦ ክስእን መዕለቢ።
ድሑር ስምዒታት ኣብ ህዝቢ ከይጸፊ
ኣውራጃ ሃይማኖት ኣብ ህዝቢ ከይነፊ፡
ከይትግራህ’ታ ህዝቢ ኣስውዒልካ ርገጽ
ኣብ ነንሕድሕድካ ከይቕዕወልካ ረመጽ።
ኤርትራዊት ዋዕሮ ኣንቲ ሓራስ ነብሪ
ደጊም ተላዕሊ ስለ ህዝብኺ ክብሪ፡
ንስኺ ዘይብሉ ዘይሙሉእ መኣዲ
ሃየ ተላዕሊ ክስስን እቲ ዓውዲ።
…./…
Short URL: https://english.farajat.net/?p=8443