News

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብምኽንያት ርሑስ ባዓል ዒድ ኣልፈጥር

Happy-EID-Mubarak-HD-Images-8ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ  እንቋዕ  ንባዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ዒድ ኣልፈጥር ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

27 ሓምለ 2014

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top