ጋዘጣዊ መግለጺ ምምስራት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ኦታዋ ካናዳ.

ድሕሪ ተደጋጋሚ ኣኼባታትን ምይይጥን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ፕሮግራሙ ኣጽፊፉ ዓላማታቱ ኣነጺሩ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣካል ናቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ኮይኖም ንመሰልን ፍትሒን ከማኡ ውን ንሕጊን ዝጣበቑ ዘለዉ ዜጋታትና ሓቢርና ንምቅላስ ዕላዊ ማሕበር ብዕለት 20 ሰነ 2010 ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ መስሪትና፡፡

መንእሰያት ኤርትራ ከም ተካኢ ወለዶ መጠን ነቲ ኣብ ሃገርና ዪኹን ኣብ ወጻኢ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ከኣ ብፍላይ ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይ ብሓባር ኮይኑ ክጣበቐሉን ሰብኣዊ መሰሉ ተነፊግዎ ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤሮጳን ከም ብዓል ግብጺ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኢጣሊያ፡ ማልታ ወዘተ….. ከርተት ዝብል ዘሎ ከኣ ግቡእ ምክትታል ጌርካ ናብ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ውድብ ሕቡራት መንግቲታትን ከምኡ ውን ምስ ካልኦት ንመሰል ሰብ ተጣበቕቲ ውድባትን ማሕበራትን ሓቢሩ ኣቤት ኽብለሉ ግዴታኡ ምኻኑ ብዕቱብ ኽሪኦ ዘለዎ ጉዳይ ምኻኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ፡፡

ኣብ ሃገርና ንሕጂ ይኹን ንድሕሪሕጂ (ንመጻኢ) ሕግን ፍትሒን ዝኣምንን ዝኽተልን ስርዓት ዝትከለሉ ኩኔታት ንምፍጣር መንእሰያት ኣኣብዘለናዮ ኮይንና እጃምና ከነበርክት ካብቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓላፍነትና ምኻኑ ንኣምንን ንጽውዕን።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንኩሉ መንእሰይ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ስለ መሰሉን ስለ መሰል ህዝቡን ኣብ ግሉጽ መድረኽ ወጺኡ ብትብዓት ይኣክል ክብል ነዛ ቅድሜና ወሊዕማ ዝጸንሑ ሽግ ኣጸቢቑ ከድምቓን ከብርሃን ብዓውታ ድምጹ ከስምዕ ብሓባር ኮይኑ ክምክትን ጸገም ሓሳረ መከራ ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ ኣለዎ ክብል ንጽውዕ።

ሓድነትና መንገዲ ዓወትና

ክብርን መጎስን ንሰማእታትና

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ

ERITREAN YOUTH GLOBAL MOVEMENT CANADA (EYGM – CANADA)

Email Address: eygmcanada@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=948

Posted by on Jul 16 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net