ሕዝባዊ መግለጺ-ስዊደን

sesadu

ሰባር ዜና ካብ ሃገረ ስዊደን/ Breaking News

ደንበ ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ

ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ከኽብሩ ተሰማሚዖም

By :SESADU/ Swedish- Eritrean Community For democratic Partnership[1]

 

 

ጽላል ስዊደናውያን/ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትማሊ ቀዳም ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካዪዱ። ኣብዚ አኼባ እዚ ካብቶም ወሪዶም ዝነበሩ ዛዕባታት እቲ ቀንዲ መካትዕን መዛረብን ዝነበረ ድማ ከመይ ገርና ኢና ናብ ናይ ሓባር ራእይ ከመርሓና ዝኽእል ንባህግታት ድልየትን ሕዝብና ዘማልእ ስትራተጂ ንሕነጽ ዝብል ኢዩ ነሩ።

 

ኣብ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ማዕበል በብግዜኡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዝንባለታት ክረኣዩ ባህርያውን ናይ ግድን ኢዩ፣ እቲ ሕቶ ነዚ ዝንባላታት እዚ ከመይ ገርካ ትኣልዮን ተመሓድሮን ኢዩ።

 

አኼባ ኣባላት ጽላል ብሰፊሑ ብኩነታት ደንበ ተቃውም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ 2001 ጀሚሩ ክሳብ ኣብዚ ግዜዚ ዝተጓነፎ ብድሆታትን ዕድላትን ብህዱእ ተመያዪጡን ተረዳዲኡን።

 

አኼባ ኣባላት ጽላል ንዝኾነ ተበግሶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መን ኣበገሶ ብዘየግድስ ብጽቡቅ መንፈስ ክቅበል ከምዝጸንሔን ሕጂ እውን እንተኾነ በዚ እምነቶ እዚ ዝኾነ ምንቅስቃስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ዝመጽእ መርሓባ ኢልና ንቅበሎን ነተባብዖን ምኽንያቱ እቲ እንካይዶ ሕዝባዊ ጉዳይ እምበር ናይ ውልቀ ዝናን ስልጣንን ብሕታውን ጉዳይ ኣይኮነን ብዝብል ኣረዳድኣ ኣሰሚሩሉ።

 

ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ተዋፋይነትን እምነትን ኢዩ። በዚ መትከላዊ እምንቶ ድማ ኢና ንኩሉ ዝገጥመና ተጻብኦታት ብልዝብ ክንፈትሕ ጽኒሕና።ሕጂ እውን እንተኾነ ነቲ ተበግሶ ናይ ምቅርራብን ናብ ናይ ሓባር ስራሕ ዝመርሓና ከነዋሃህድ ብወገና ጸገም የለን።

 

እቲ ኣብዚ ግዜዚ ክኽበር ዘለዎ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓንሳብ ምስቶም ሓይሊ ዕማም ነዚ መደብ ሒዞም ዘለዉ ክሳተፉ እቲ ኣኼባ ኣባላት ጽላል ወሲኑ፣ ተማ ጽንብል እምቢ ንምልኪ ናይ ሓባር መልእኽትና ኢዩ፣ እቶም ነዚ ጽንብልዚ እዚ ዓጂቦም ንሕዝብና ዘነቃቅሑን ዘለዓዕሉን ድማ ናይታ ጽባሕ ንጽበያ ኤርትራ ወረስቲ ቃልስና ኢዮም ቅድም ቀዳድም እውን ብሰንኪ በብይንናን ክንከይድ ብምጽናሕን ሓቀኛ ሓበረታ ብዘይ ምርካብን ምንባሩ እቲ ኣኼባ ኣሰሚሩሉ፡፤

 

ሎሚ ድማ ናይ ሓባር ስራሕና “ክንበል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ስለዚ ምእንቲ ድህነት ሕዝብና ሃገርናን፣ ነዚ ተሪኻዊ መዓልቲ ብሓባር ከነኽብሮን ንትስፉእ መጻኢ ድማ ኣብ ኩሉ ቃልስታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊደን ብምውህሃድን ምርድዳእን ክኸውን እቲ አኼባ ለበዋኡ ኣቅሪቡ።

 

[1] SESADU is a Swedish- Eritrean Community for democratic change established and registered in 2009 in Stockholm. Membership is open to all Eritreans struggling for democracy and human rights. It has achieved a lot in Sweden by influencing the swedish political opinion, awakening and engaging the people against the dictatorship in Eritrea. It has been supporting all forces for democratic change. For further information see our home page by; www.sesadu.se

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9546

Posted by on Apr 20 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net