ዜናታት ደንበ ገባቲ ህግደፍ

eudc

ምንጪታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ብ06 ሚያዝያ 2015 ባይቶ ሚንስተራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣኼባ ምክያዱ ተሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ዞባና ዘንጸባርቕ ዘሎ ቅልጡፍን ኣገዳስን ምዕባሌታት መሰረት ጌይሩ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ማለት ዞባዊ ውድዕነት፡- ህልዊ ኩነታት የመንን ዝካየድ ዘሎ ደብዳብን፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ምዝታዩ ተገሊጹ።

 

    1. ንህልዊ ኩነታት ዞባና ብዝምልከት፡-
    2. ኣብ መጨረሻ ወርሒ መጋቢት 2015 ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብሕቡእ ንኣስመራ ምእታዉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሑሲዩን ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ደው ከብል ዝጠልብ ንጹር ሰነድ ሂቡ ምምላሱ፡ ቀጺሉ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢራን ንኣስመራ ብድሕሪ ምእታዉ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሑሲዩን ዝወሰዶ መርገጽ ናእድኡ ኣቕሪቡ፡ ብዝያዳ ክቕጽል ምትብብዑ ይግለጽ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኲናት የመን ዝተወግኡ ሑሲዩን ኣብ ሆስፒታታት መንግስቲ ኤርትራ ይሕከሙ ምህላዎም፡ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ሑሲዩን ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኪሎ 18 ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ መደበራት ታዕሊም ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተዋሂቦም ምጽንሖም፡ ኣብዚ መደበራት’ዚ ድማ ምንቅስቓስ መንእሰያት ሶማል ከም ዝርከብ ይፍለጥ።
    3. ኣኼበኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ትገብረሉ ሃዋሁ ዘይምህላዉ፡ እቲ ዓቢ ስኽፍታ ዝፈጥር ግን ኣንጻር ሑቲይንን ፕሬሲደት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ብመንግስቲ ስዑድያ ዝተመስረተ ምሕዝነት’ዩ። እዚ ምሕዝነት’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ካብቶም ንሑቲዩን ዓቢ ደገፍ ዝገብር ምዃኑ ጉጉይ ኣረዳድኣ ተታሒዙ ብምህላዉ ነዚ ንምቕያር ብርቱዕ ጻዕርታት ክሓተና’ዩ ከም ዝበሉ ምንጭታት ኤስደለ ሓቢሮም። ካብዚ መሰረት ብምግባር ድማ ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ካብ መሪሕነት ህግደፍ ንሑሲዩን ደገፍ ከምዘይገብሩ ንመንግስቲ ሱዳን ንምርዳእ፡ ብ14 ሚያዝያ 2015 ብሕቡእ ንካርቱም ምእታዉ ተገሊጹ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ እስራኤል ብመንግስቲ ኤርትራ ዘለዋ ፍሉይ ቆላሕታ ምርኩስ ብምግባር ፍሉይ ልኡኽ፡ ንህልዊ ኩነታት ንምሕባር ድማ ንኣውሮጳን ኣሜርካን’ውን ልኡኻት ምስዳዶም ተሓቢሩ።
  • ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡- 

 

  1. ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብምትሕሓዝ ኣኼበኛታት ምስ ኩሎም ካብቲ ስርዓት ብዝተፈላለየ ምክንያታት ዝሃደሙ መሪሕነት ከምኡ’ውን ላዕለዎት ካድራት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኢዶም ዘየኣተዉ፡ ቁልጡፍ ርኽባት ክግበር ብዝተሓላለፈ ለበዋ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝኸታተል ካብ ላዕለዎት ኣካላት ሓደ ኮሚቴ ተመዚዙ ምህላዉ ተሓቢሩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዶብ ኦምሓጀር፡ ገርሰት፡ ጉልጅ፡ ተለታ ዓሸር፡ ተሰነይ ዝርከቡ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቲ ፍሉይ ኣኼባ ከም ዝተገበረሎም ምንጭታት ኤስደለ ገሊጾም።
  2. እሱራት፡- ሜጀር ጀረናል ወዲ ገርጊስ ኩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ በዘይተፈረዱ እሱራት ብምምልኡ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ህዝቢ ህጹጽ ፍታሕ ክንገብር ዝሓተሉ ኣጋጣሚ ክመጽእ ስለዝኽእል፡ እዚ ጸገም’ዚ ህጹጽ ፍታሕ ክንገብረሉ ይግባእ ዝብል መደረ ምሃቡ፡ ኣኼበኛታት ኣብቲ መግለጽ ብድሕሪ ምስምማዕ ኣብ ዝተፈላለየ በዓላት ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ 24 ግንቦት 2015 በዓል ሃገራዊ ነጻነት ብርክት ዝበሉ እሱራት ንምፍታሕ ክንጥቐመሉ ይግባእ ዝብል ርእይቶ ምቕራቦም ተሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ’ውን ኣኼባኛታት ብዶብ ሱዳን ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ኣቁሑትን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋታት ምዝታዮም፡ ብፍላይ’ውን ደንበ ተቓውሞ ክጥቐመሉ ስለ ዝኽእል ንምክልኻሉ ብርቱዕ ጻዕርታትን ስጉምትታትን ክንወስድ ይግባእ ምባሎም ተገሊጹ።

 

  • ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን19/04/2015

 

  1. ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
  2. ኣኼበኛታት ደንበ ተቓውሞ ብኣውራጃን ዓሌትን ዝተኸፋፈለ፡ ስትራተጂካዊ መሓዛ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ኣውንታዊ ጽልዋታት የብሉን ክብሉ ገሊጾሞ። ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ግን ፍሉይ ቆላሕታን ኣድህቦን ሂቦም ብዕቱብ ከም ዝተመያየጡ ተሓቢሩ። ብፍላይ’ውን ኣቦ-መንበር ደምሓኩኤ ቀርነልዮስ ኦስማን ናብ ኣሜርካ ዑደት ብድሕሪ ምክያዱ ገለ ስግኣታት ከም ዘለዎም ከብርሁ ከለዉ፡ ሜጀር ጀነራል ዑስማን ሳልሕ (ኣብ ሓይልታት ባሕሪ) እቲ ጉዳይ ዘለዎ ሓደገኛ ኩነታት ብምግንዛብ፡ ኣብ ህዝቢ ኩናማ ዓይነታዊ ዝኾነ ስጉምቲ፡ ብርቱዕ ጎስጓስ፡ ዝተመንዝዐ መሬቶም ምምላስን ኣብቲ ዞባ መሰረታዊ ግቡኦም ክረኽቡ መሰላቶም ምምላእን ግቦ ክንወስድ ይግባእ ክብል መዲሩ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9548

Posted by on Apr 20 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net