ኣገዳሲ መኣረምታ

eudc

ብ19/04/2015 ብቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዜናታት ደንበ ገባቲ ህግደፍ ብዝብል ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ብዝተፈጸመ ጌጋ ንመላእ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራን ኣንበብትን ይቕሬታ ንሓትት። በዚ ዝስዕብ መኣረምታ ተኣሪሙ ክንበብ ድማ ብትሕትና ንሓትት።

 

ዝተፈጸመ ጌጋ፡-

  • ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡-

 

ኣኼበኛታት ደንበ ተቓውሞ ብኣውራጃን ዓሌትን ዝተኸፋፈለ፡ ስትራተጂካዊ መሓዛ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ኣውንታዊ ጽልዋታት የብሉን ክብሉ ገሊጾሞ። ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ግን ፍሉይ ቆላሕታን ኣድህቦን ሂቦም ብዕቱብ ከም ዝተመያየጡ ተሓቢሩ። ብፍላይ’ውን ኣቦ-መንበር ደምሓኩኤ ቀርነልዮስ ኦስማን ናብ ኣሜርካ ዑደት ብድሕሪ ምክያዱ ገለ ስግኣታት ከም ዘለዎም ከብርሁ ከለዉ፡ ሜጀር ጀነራል ዑስማን ሳልሕ (ኣብ ሓይልታት ባሕሪ) እቲ ጉዳይ ዘለዎ ሓደገኛ ኩነታት ብምግንዛብ፡ ኣብ ህዝቢ ኩናማ ዓይነታዊ ዝኾነ ስጉምቲ፡ ብርቱዕ ጎስጓስ፡ ዝተመንዝዐ መሬቶም ምምላስን ኣብቲ ዞባ መሰረታዊ ግቡኦም ክረኽቡ መሰላቶም ምምላእን ግቦ ክንወስድ ይግባእ ክብል መዲሩ።

 

ዝተገብረ መኣረምታ፡-

  • ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡-

ኣኼበኛታት ደንበ ተቓውሞ ብኣውራጃን ዓሌትን ዝተኸፋፈለ፡ ስትራተጂካዊ መሓዛ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣውንታዊ ጽልዋታት ዘለዎ ኣይኮነን ክብሉ ገሊጾም። ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ግን ፍሉይ ቆላሕታን ኣድህቦን ሂቦም ብዕቱብ ከም ዝተመያየጡ ተሓቢሩ። ብፍላይ’ውን ኣቦ-መንበር ደምሓኩኤ ቀርነልዮስ ኦስማን ናብ ኣሜርካ ዑደት ብድሕሪ ምክያዱ ገለ ስግኣታት ከም ዘለዎም’ውን ኣብሪሆም። ሜጀር ጀነራል ዑስማን ሳልሕ (ኣብ ሓይልታት ባሕሪ) እዚ ጉዳይ’ዚ ዘለዎ ሓደጋታት ብምግንዛብ፡ ኣብ ህዝቢ ኩናማ ዓይነታዊ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ብርቱዕ ጎስጓስ ምክያድ፡ ዝተመንዝዐ መሬቶም ምምላስ፡ ኣብቲ ዞባ መሰረታዊ ዝኾነ ግቡኦም ክረኽቡን መሰላቶም ክምላእን ክንገብር ይግባእ ክብል ምምዳሩ ተገሊጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

20/04/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9552

Posted by on Apr 20 2015 Filed under Articles, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net