መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ብዛዕባ ISIS ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈጸሞ ጨካን ቅዝፈት ኣብ ሊቢያ

 ensf baner

እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዒራቅን ሻምን (ISIS) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሸባሪ ውድብ ኣብ ልዕሊ ሳላሳ ኢትዮጵያውን ዜጋታት፡ ኣብ ሊቢያ ዝፈጸሞ ጨካን ቅትለት፡ ንመሪሕነትን ሰፊሕ መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዓሚቕ ሓዘን ከም እተሰመዓና ንገልጽ።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነዚ ኣሸባሪ ውድብ ISIS ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኢትዮጵያውያን ኣብ ሊቢያ ዝፈጸሞ ጨካንን ኣረሜናውን ገበን’ዚ፡ ኣትሪሩ ይኾንን። እዚ ገበን’ዚ ምስ ኩሉ ሰብኣዊ መትከላትን፡ ስነ-ምግባራዊ ክብርታት መላእ ሃይማኖታትን እምነታትን ዝራጸም ምዃኑ’ውን ይገልጽ።

 

እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ኣውራ ድማ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን፡ ስሜንን ምብራቅን ኣፍሪቃን፡ ዝፍጽሞም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት፡ ናይ ሸበራዊ ኣይድዮሎጂኡን ጨካን ኣገባባቱን ዘንጸባርቕ ቀጥታዊ መግለጺ ምዃኑ ንኣምን። እዚ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ጨካን ቅዝፈት’ዚ፡ ኣህጉራዊ ሕልና ዘበራብር ተረኽቦ ክኸውንን፣ ንወዲ ሰብ ካብ ሓደጋታት ሽበራን ጥሩፍነትን ንምድሓንን፡ ምፍሳስ ደም ንጹሃት ንምግታእ ዘኽእልን ወሳኒ ስጉምቲታት ንምውሳድን ዝድርኽን ክኸውን ተስፋ ንገብር።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኩሎም ሃገራት ዓለምን፣ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ውድባትን፡ ነዚ ገበነኛ ሓይሊ’ዚን፡ ኣብ ብዙሓት ክፍልታት ዓለም ዝራኣዩ ዘሎዉ ኵናትን ደማዊ ግጭታትን መዝሚዙን ኣብ ረብሓ’ቲ ሓደገኛ መደባቱ ከም ዝውዕል ብምግባር፡ ኣብ ሞንጎ ግሩሃት ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ብዘሰንብድ መልክዕ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣይዲዮሎጂኡ፡ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ ብቁልጡፍ ኪንቀሳቐሱ ይጽውዕ።

 

መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ንጹሃት ዜጋታት ኢትዮጵያ መንግስተ ሰማያት ከዋርሶም ብምጽላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ንስድራቤታቶም ድማ ብፍላይ፡ ኣብ’ዚ ዓሚቕ ሓዘኖም’ዚ ተኻፋልቲ ምዃኖም ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ. ይገልጽ።

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

21 ሚያዝያ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9554

Posted by on Apr 22 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net