ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍዶ ወይስ ምጽልጻል ከምትርጉሙ !

ጋዜጣ ሓቅን ሕይወትን

ግንቦት 1987 ብኣቋጻጽራ ግእዝ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

10 ሓምለ 2010

ብዕለት 22 ሰነ 2010 ኣብ ትሕቲ ሓቂ ዶ ክንዛረብ ዝብል ዓምዲ ጋዜጣ ብርሃን፡ ጋዜጣ ብርሃን ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ነቲ ዓምዲ ብምሉኡ ደጊመ ጽሒፈ ከም ዝነበርኩ ከዘኻክር እፈቱ።

ሎሚ ብተመሳሳሊ ውጽኢት እቲ ጋዜጣ ብርሃን ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍቶ መልእክቲ ገሊሁን ኣነጺሩ ዝሰፈረ ጽሑፍ እዩ። እዚ ጽሑፍ ግን ኣብ’ታ ብሓሊዮ ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካፑቺኒ ዝሕተም ወርሓዊ ጋዜጣ’ዩ። እታ ጋዜጣ ድሕሪ ነ’ዚ ኣርእስቲ ኣብ ዓምዳታት ምስፋር ካብ ትምስረት ድሕሪ 45 ወይ 47 ዓመታት ካብ እትህቦ ዝነበረት መንፈሳዊ ማሕበራውን ፍልጠታውን ፈልፋሊ ትምህርቲ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተኣገደት ነባር ካብ ቀዳሞት፡ ቀዳመይቲ ዝተኣገደት ጋዜጣ’ያ። ጋዜጣ ሓቅን ሕይወትን ኣብ’ቲ ትሕቲ ርእይቶ ዝብል ዓምዲ እንታይ ትብል። ቀጺሉ ከም ውጽኢት ጋዜጣ ብርሃን እንሆ። ጽቡቕ ንባብ…

ካብ እግርስ ኣፍ ይዕንቀፍ ዶ ወይስ ምጽንጻል ከምትጉሙ……..

” እናስተውዓልካ ተናገር እናሓምበስካ ተሳገር” ዚበሃል ዘረባ ለባማት ኣሎ። ከመይሲ ምስትውዓል ዘይብሉ ዘረባ እንኪሞልቝ ምስ ሰማዒኡ ስለዘፍርድ’ዩ። እዋኑ ዝሃቦ ብሕልፊ ንከተማ ኣስመራ ከም ትኪ ጽብሓት ዒግ ኣቢልዋ ዝቐነየ ” ብዛዕባ ምጽንጻል ሰራሕተኛታት” ዝብልዎ ዘረባ ኢዩ። ኣብ ገለ ቦታ ጎፍ ንዚበለካ ሰራሕተኛ፡ ኣንታ ካብዛ ጽልጸላ ደሓን ዲኻ፡ ከይበልካዮ ምሕላፍ ዘይከኣል ኮይኑ’ዩ ቀንዩ። ደሓን ንዝበለ እንቋዕ  ደሓነ! ምባል” ኣንስ’ባ በጺሓትኒ ንዝበለ ግና እንታይ ‘ም’ግበር ኣምላኽ ያደርቢ፡ ንሱ ይፈልጥ፡ ኢልካ ምሕላፍ በዕላ ግዜ ኮይኑ’ዩ ወሪሑ። ዝዀነ ኮይኑ ንሕጂ ዜምጽኣና ክንገብር። ትግርኛና ብመሰረቱ ዘይካት እንተኾነ ካንዶ ቍዕሩር ዝኣፉ” ምጽንጻል ሰራሕተኛ” ኢልካ ምዝራብስ የማዕርግ’ዩ ? ካብ ምጽንጻልሲ፡ ምጉዳል ወይ ምትምዕርራይ ስራሕን ሰራሕተኛን ተባሂሉ ክስመዶ ኣይመሓሸን ? እንተ ምጽልጻል ኢልካስ ኣይዘረባን። ዝጸልጸልካዮ ጭነፈር ናይ ኦም ትጕሕፎ፡ ተንድዶ፡ ካብ’ቲ ቀንዲ ህላዌኡ ስለዝተበትከ፡ ስርዓት መግቢ ስኢኑ ዚድርበይ’ዩ።

ብዛዓብ ምጉዳል ሰራሕተኛታትን፡ ብዛዕባ ምምዕርራይን ብቕዓታዊ ሚዛኖም ምድልዳልን ተቓውሞ የብልናን። እቱ ምንታይ ብቁዕ ሰራሕተኛ ብቁዕ ፍረ ኬፍሪ ዚኽእል’ዩ። ግዳ እቶም ካብ ስርሖም ዚባረሩ ዘለዉ ሰባትከ እንታይ ይኹኑ ? ንሳቶም ዘይጭነቕሉ መደብ ከ ኪግበር ምተኻእለ። ቢልካ ምሕሳብ ኪዝንጋዕ ዘይብሉ ሓሳብ ኮይኑ ይስምዓና። ነቲኦም እንኪትሓሊ ነቲኦም ሸለል ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጸገም ሃገርና ምዃኑ ዘይተርፍ’ዩ። ኤርትራ እንተዀነት ኩሉ ግዜ ሙሉእ ብሙሉእ ብቁዓት ሰራሕተኛታት ጥራሕ ዝሓዘት ኮይና ንዘንተ ዕለት ክትነብር ዘይከኣል ኣይኮነን። ብዝኾነ እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ንቡር ስርሖም ይወጹ ኣለዉ። ገሊኦም ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዚተሰከሙ ኢያቶም።ስሕት ኢልካውን ሰብኣይን ሰበይቲን ዚወጹ ኣለዉ። ገለ ከኣ ስኣን ጥዕና። ” እቲ ንድኻ ዝሓልየሉ ብጹእ’ዩ” ከም ዝበሎ ቅድ.ዳዊት እቲ ዝወጽእ ዘሎ ሰራሕተኛ ኣበይ ይውደቕ ኣሎ ? ኢልካ ነቶም ዘዕብይዎም ውሉድ ከይሽገሩ መስተርሆት ምድላይ ደኣ ይሓይሽ። ገጠር ከይዶም ከይሓርሱ፡ ንርእሱ እቲ ሓረስታይና’ውን ቀለብ ርብዒ ዓመት ዜእቱ ኣይኮነን። ኣሸበሸብ ደቁ ተማሃርቲ እንተኾኑ’ውን ንገጠር ሒዝዎም ክኸይድ’ሞ ካብ ቤት ትምህርቲ ኬጎናድቦም ዘይቅቡል’ዩ። ተዃሊሉ ከኣ ወጽዓ ሃገር ምዃኑ ዘየተርፍ’ዩ። ብዘይደሞዝ ኣብ ከተማ ኪነብሩ’ውን ገሃነም’ዩ። ክፍሊ ጸዓት፡ ክፍሊ ማይ፡ ብገዚፉ ከኣ ክራይ ገዛ ንምኽፋል ካበይ ይምጻእ። ብዛዕባ ዚብላዕ ዚኽደን እሞ ኸኣ ዘረባ የብሉን።

ረዲኤት ከይረከብ፡ ሃገር ካብ ረዲኤት ክትለቅቅ ኣለዋ ተባሂሉ። ምኻኑ እዚ’ኳ እወ ዝበሃል ዘረባ’ዩ እምን እንታይ ይሓይሽ ? ” ወገን ዘለዎ ይድሕን እኽሊ ዘለዎ ይጥሕን’ዩ” እሞ ህዝብን መንግስትን ተላዚቡ ብልሓት ኪፈጥር ምሓሸ።

ካልእ ዜሰክፍ ጉዳይ ኣሎ። ኩልና ዝሰማዕናዮ ወዮም ነዚ ስራሕ’ዚ ኬጻፍፉ ዝተመዘዙ ሰባት፡ ንክንዲ’ዚ ዚኣክል ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ጥራሕ ኪፍጽምዎ ከቢድ ተልእኾ ከም ዝነበረ ኣሚቶምልና።

ክንዲ’ዚ ዝኣክል ጉዳይ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኢንታ ዘይርከቦም ቡቑዕ ፍጻሜ ኪግበር፡ ንምእማኑ ዘሸግር’ዩ። እኳ ሽዱሽተ ወርሒ’ዶ ኣይከውንን።

በሉ ነስተውዕል፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዓብይ ዕማም ብሃታሃታ ኣብ ክልተ ወርሒ ካብ ዝተፈጸመ፡ ውጺኢቱ ክሳዕ ክንደይ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘኸትል የረድእ። ነፍሲ ወከፎም ሓለፍቲ ትካለት ኮአን ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ከም ሰብ መጠን ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ሰባት ቅርሕንቲ ዘይሰኣን ምዃኑ እሙን’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ጉዳያት ነዊሕ ግዜ ወሲድካ ሰፊሕን ጽፉፉን መጽናዕቲ ገቢርካ እንተዘይተዛዚሙ፡ ዝእለ ሰራሕተኛ ከይተኣልየ፡ ኪተርፍ ዚኽእል ዘይእለ ሰራሕተኛ’ውን ብዘይኣገባብ ኪስጎግ ስለ ዚኽእል ኣብ ዘይሓሰቦ ደልሃመትን ተስፋ ቍርጸትን ኪሰጥም ከም ዚኽእል ኪርሳዕ የብሉን። እሞ’ዚ ዅሉስ እምንቲ ምንታይ ? ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ናይ ስራሕ ሓልፍነት ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ሓላፍነት ሂብካ ስቕ ምባል ንስራሕኻ ሓላፍ ዘላፍ ገቢርካዮ ከም ምሕላፍ ዜምስል። ምእንቲ’ዚ ብኣገባብ ዝተመርጸ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትካላት ኮነ ኣብያተ ጽሕፈታት እንናዚረ ኣጻሪዩ ዘጉድል ኪህሉ ይግባእ።

ብዘይካ’ዚ ንምርድኡ ዜጸግም ጉዳይ ዝተፈጸመ’ሎ። ዝያዳ ሓደ ዓመት ይገብር ሚኒተሪ ሕርሻ፡ ብዙሓት ሰባት ብመርመራ ኣሳቲፉ፡ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ስልጠና ሂቡ፡ መሸም ፈላጢኡ ደኣ ይፈልጦ ይኸውን’ምበር ንመሰልጠኒ ዝወጸ ገንዘብ ውሑድ ከም ዘይኮነ ንምግማቱ ዜጸግም ኣይኮነን። እዞም ብኽምዚ ሰልጢኖም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ኣይትበቕዑን ኢኹም ኪብል እንተሰጎጎም እቲ ንዕኦም ንምስልጣን ዝፈሰሰ ገዘብ ሎሚ ውሕዥ መረብ ከም ዝወሰዶ ኮይኑ’ዶ ኣይስማዓኩምን ? ንድኽነትና’ውን ዚጻባእ’ዩ። የድልዩ እዮም ተባሂሉ ተጸኒዑ፡ ተረጋጊጹ ከኢብቅዕ፡ ሎሚ ከም’ዚ ኮይኑ እንኪረኤ ስርሒት ምምዕራይን ምጕዳልን ሰራሕተኛታት ናይ ነዊሕ መደብን መጽናዕትን ከምዘይኮነ የብርሃልካ።

ይዝከረኩም’ዶ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ቀሪቡ ኣሎ፡ ጋዜጣ ሓቅን ሕይወትን፡ ብቑዕ ሰብ ኣብ ብቑዕ ቦታ ይኹን፡ ክትብል ርእይቶኣ ፈይ ኣቢላ ነቢራ። ከም’ዚ ሎሚ ነቲ ትሕት ሰራሕተኛ ብሕቱ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቲ ሓላፍነት ሚኒተራት’ውን እንተዀነ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ጥራሕ ዘይኮነ ብፍልጠቶምን ተምክሮኦምን ዝተመዘዙ፡ ብቕዓቶም ብቕንዕና፡ ብጽፈት ተጸኒዑ ኪኢላታትን ምኩራትን ምዃኑ ድሕሪ ተበጺሑ ከከም ኣድላይነቱ ኪቕመጥዎ’ዩ ዝነበረ እቲ ሓሳብ። ከመይ’ሲ ብቕዓት ስራሕ ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ኪረአ ዘለዎ። እቱይ ምንታይ ኩሉ ዝተማህረ ብቁዕ ኣይኮነን። ኩሉ ዘየተማህረ ድማ ዘይብቁዕ’ዩ ማለት ክኸውን ኣይክእልን። ዝኾነ ኮይኑ ሰበይ ሰባክ ኣብ ስሉስ ዓለማት ዘይተርፍ’ይ’ሞ፡ ወዮ ዝተጸልጸለ ኦም ካብኡ ተረፈ ኩሉ ካብ ውጺኢቱ’ዩ ዘመዝን እሞ ዝስዕብ ለውጢ ንጽበ። ኣምላኽ ልቢ ኩልና ይምራሕ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=957

Posted by on Jul 22 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net