ጅግና ሓርበኛ ኢዮብ ብስራት ኣብ ልብና ንዘልኣለም ክትነብር ኢኻ

yob bisirat

ሓርበኛ  ተጋዳላይ ኢዮብ ብስራት ድሮ ካብ ዝስዋእ 6 ዓመታት እነሆ ሓሊፉ። ብጻይ ኢዮብ ብዕለት 24 ታሕሳስ 2009 ኢዩ ተሰዊኡ፡ ብዕለት 07 ጥሪ 2010 ከኣ ብብጾቱን ፈተውቱን ከምኡ’ውን ብኣማእት ዝቝጸሩ ሃገራውያንን ተዓጂቡ ብዓቢ ስነ ስርዓትን ዝተፈነወላ ዕለት ኢያ።

 

ብጻይ ኢዮብ፣ ካብ ግዜ ንእሰነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ፣ ልዑል ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ተዓጢቑ፣ ንነብሰይ ይጥዓመኒ ከይበለ፣  ኣብ ቃልስና ሓደ ካብ’ቶም ልሉይ ግደ ዘበርከቱ ጀጋኑ ሓርበኛታት ሃገርና ኢዩ። ግደን ታሪኽን እዚ ምቕሉል ተቓላሳይ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንግምግም እንከሎና: ውድብና ግ.ሃ.ድ.ኤ ዘይትካእ  ዓቢ ኣብነታዊ ተቓላሳይ ከም ዝኸሰረ ንርኢ ። እዚ ዓቢ ክሳራ እዚ ግን አብ ውድብና  ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ መንጸብረቅትኡ አብ መላእ ደምበ ተቓውሞን ብዓቢኡ ድማ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ዓቢ ምኩር ሃገራዊ ተቓላሳይ ከም ዝኸሰረት ብዙሓት ሃገራውያን ዝሰማምዕሉ ጉዳያ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብጻይ ኢዩብን ካልኦት ጀጋኑ ስዉኣትና ዘበርከትዎ ልዑል ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ  ንወሎዶታት ተዘኪሩ ክነበር ምዃኑ ፈጺምና ኣይንጠራጠርን።

 

ጀጋኑ ስዉኣትና  ዝተቓለሱሎም ዕላማታትን ራኢታትን ናብ ሸቶኦም ንክበጽሑ መብጻዓ ኩሉ አባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ነዚ መብጻዓ እዚ አብ ማዕርፍኡ ንምብጻሕ  ሓያል ቃልሲ ዝጠልበና ምዃኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዝተሓላለኸ ናይ ቃልሲ ህሞት ግን፡ ከም ኢዮብ ብስራት ዝኣመሰሉ ሓድነታውያን መራሕቲ ክፍለዩኻ ግን ነቲ እተካይዶ ቃልሲ ክሳብ ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝገብሮ ንኩሉ ተቓላሳይ ብሩህ ኢዩ።  

 

ቅሰን ኩቡር ብጻይናን ኣብነታዊ መራሒናን ኢዮብ ብስራት፣ ብጾትካ ብዙሕ መጻወድያታትን ውዲትን ሰጊሮም፣ ኣብ’ቲ እስኻን ኩሎም መትከላውያን ብጾትካን ዝተኸልኩሞ ዕላማታት ቀጥ ኢሎም ምእንቲ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን” ከይተሓለሉ ይረባረቡ ኣለዉ። ነቲ ብሓባር ዝተላምናዮ ሃገራዊ ዕላማታት  ኣብ መዓርፍኡ ከነብጽሖ ምዃንና ድማ መብጻዓና  እነሆ ነሐድስ ። ብኣካል’ኳ እንተ ተፈለኻና፡ እቲ ዝገበርካዮ ልዑል ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ንዘልኣለም ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ።

 

ክብርን ዝኽርን ንኹሎም ጀጋኑ ስዉአት !!

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ዕለት፡ 24-12-2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10046

Posted by on Dec 24 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net