ጋዜጣዊ መግለጺ

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ስርሓቱ ጀሚሩ

adhocncc@gmail.com

12 January 2016

ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ዚቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ቀዳማይ ኣኼባኡ ብ22 ታሓሳስ 2015 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ከምኡውን ስዒቦም ዝተካየዱ ኣኼባታት፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዘሰከምዎ ዕማም ምርኩስ ብምግባር፡ ዝርዝር መደባት ዕዮኡ ንምሕንጻጽ ዝዓለሙ እዮም ኔሮም።

 

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ካብዚ ዋዕላ’ዚ ዝተቐበሎ ዕማም ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል፤

 

  1. ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር፡ ንድፍታት ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ መደባት ዕዮን ምቕራብ፤
  2. ብዛዕባ ከመይነትን ኣገባባትን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምይያጥ ዘኽእል፡ ንመላእ ሓይልታት ተቓውሞ ዚሓቖፈ  ዋዕላ፡  ኣብ  መጻኢ ንኽካየድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር፣

 

ነዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ንስርሓቱ ዝሰርዕ መደባት ንምውጻእ ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱ። ክፍጸም ንዘለዎ ዕማማት  እውን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘርጊሑ።  ብተወሳኺ  ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ንምዕዋት ምስ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ጽዑቕ ርክባት ንኽካየድ ወሲኑ። እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡  ውጽኢታት ዋዕላ ናይሮቢ ንምግላጽን፡ ኣብ መጻኢ ክጋባእ ተወጢኑ ንዘሎ፡ ኩሉ-ሓቆፍ ዋዕላ ኣወንታዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንምርግጋጽን፡ ምስ ህዝቢ ጽዑቕ ርኽክባት ክካየድ ወሲኑ።

 

በዚ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ፡ ፍረታት ዋዕላ ናይሮቢ ክገልጽን፡ ምሉእ ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ፡ ኩሉ-ሓቆፍ  ዋዕላ ክዀኑ ክጽዕርን እዩ።

 

ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ

ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

 

ኣባላት ግዜያዊ ኣካል

 

  1. መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር
  2. በሽር ኢስሓቕ
  3. ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
  4. ነጋሽ ዑስማን
  5. ሰመረ ሃብተማርያም
  6. ሱሌማን ሑሴን

 

ኢ-መይል ንርክብ፡

adhocncc@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10067

Posted by on Jan 12 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net