News

ኤርትራ ሃገርና ኩሉ ዓቕሚ ሰባ ናብ ስደት ዘምርሓላ ሃገር!!

hidri

ብሰሪ ገስረጥ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝባ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ፡ ንመሰክሕ ወዲ ሰብ ተባሂላ ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተደኮነት ሃገር ኮይኑ ናብ ዝስመዓካ ደረጃ በጺሓ ኣላ፡፡ እዛ ኣኽል ታርፍ ባህርዊ ጸጋ ትዕድልቲ ዘለዋ ምጭውትን ተባሃጊትን ክትከውን ዝግበኣ ሃገርና ኤርትራ፡ ግን ከኣ ብሰንኪ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጅሃ እንዳ ተደወነን ህዝባ እንዳ ተጸየናን ናብ ስደት እንዳ ገዓዘን፡ ዓድታትን ቁሸታትን ከኣ ዝነብረለን በጽሒ ተሳኢኑ ናብ ምብራስ ገጸን ይኸዳ ምህላወን ብተደጋጋሚ ክንገረላ ዝጸንሐ ሃገርና ኤርትራ፡ ምረት ህዝባ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ መሊሱ ይገድድ ድኣ እምበር፡ ዝተመሓየሸ ወይ መደብ ናይ ዝኾነ ይኹን ናብራን ምምሕዳርን ምምሕያሽ ከም ዘየሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ እዛ ኩሉ ብዓል ዓቕሚ ህዝባ ብውልቅን ብጥርኑፍን ማዕረ ብዓል ሓዳር ምስሓዳሩ፡ ብዓል ጥሪት ምስ ጥሪቱ፡ ናብ እግሩ ዝመርሖ ብኣርባዕቲኡ መኣዝን ዓለምና ገዲፈዋ ሃጽ ዝብለላ ሃገር ኮይና ትርከብ ዘላ ሃገርና፡ ብፍላይ እኳ ሰብ ሞያን መንእሰያትን ዜጋታትና ተጓሕጒሖም ይስደዱ ብምህላዎም እምብዛ ዘተሓሳስብ ኢዩ፡፡

እዚ ዘኸተሎ ሳዕቤን ድማ፡ እንሆ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ዝርከቡ ብፍላይ ከኣ ተማሃሮ ቤት ትምህርትታት ማእክላይን ላዕለዋን ደረጃ፡ መማህራኖም ናብ ስደት ብምውሓዞም ኣብ መዓልቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ክፍለ ግዜ(period) ንላዕሊ ዝኸይድ ትምህርቲ ክረኽቡ እኳ እንተ ዘይ ጸንሑ፡ ካብ ቕድሚ 3 ሳምንታት ንኣስታት 2 ሳምንታት ዝኣክል ግን እሞ ክኣ ኣብ እዋን ናይ ፍርቂ ዓመት ፈተና፡ ብሰንኪ ብጡርኑፍ ምስዳድ ስግረዶብ መማህራኖም ክሳብ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምልላስ ውን ደው ኢሉ ከም ዝቐነየ ግዱሳት ዜጋታት ካብ እቲ ቦታ ንምንጪታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ክሕብሩ ከለዉ፡ እዚ ከም ኣብነት ደኣ እምበር እቲ ኩነታት ኣብ መላእ ሃገርና ተመሳሳሊ ምኳኑ ወሲኾም ገሊጾም፡፡

ከም ዝፍለጥን ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ከም ዝተሓበረን፡ ብፍላይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መማህራንን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣባላት ኣጋር ሰራዊትን ኣብ ከባቢ ዶብ መደብ ክበጽሖም እሞ ነቲ ዕድል ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ወሲዶም ናብ ስግረ-ዶብ መውጽኢ ክጥቀሙሉ እንብዛ ከምዝብህግዎ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ፡፡

ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

 

ጥሪ /20 / 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top