ዑደት ልኡኽ ግሃድኤ ናብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ጣልያን

ensf baner

ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ  ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ኣናደየበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም ወትሩ፡ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ተሰሊፉ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን” ዝብል ጭርሕኡ ተሓንጊጡ ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ደላይ ዲሚክራስያዊ ለውጢ ንምዕዛዝ፣ ኣብ ኣድማዒ ስራሕን፣ ኣውንታዊ ተበግሶታትን ተዋፊሩ ምህላዉ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።  

ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ብፍላይ፣ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውዳቕ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ፣ ምሕዝነታዊ ደገፍ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምርካብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ ንኽካየድ ዕዙዝ ተደላይነት ስለ ዘለዎ፣ ግሃድኤ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ብተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን  ተጋዳላይ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ዝቖመ ላዕለዋይ ልኡኽ ግሃድኤ፡ ኣብ ኤዉሮጳ ሰፊሕ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዕለት 03/02/2016 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጣልያን (LAFARNESINA) ኣብ ከተማ ሮማ ብምብጻሕ ኣገዳሲ ርኽክባት ኣካይዱ። ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘትከለ፣ ምስ ምክትል ሓላፊ ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጣልያን ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ሰፊሕ ልዝብ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ

  • ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብሰንኪ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሕሱም መነባብሮን፣
  • ስለምንታይ መንእሰይ ኤርትራ ክስደድ ይግደድ ኣሎ?
  • ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዝርከባ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታዋት።
  • ብሕብረተ ኤዉሮጳ ንስርዓት ኤርትራ ክወሃብ ተወጢኑ ዘሎ ሓገዝ፡ ዕድመ ናይ’ቲ ስርዓት ዘናውሕ ምዃኑ።
  • ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ሃገር ጣልያን በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ መሰረት ግቡእ ቆላሕታ ክግበረሎም
  • ጉዳይ HUMAN TRAFFICING ብዝምልከት፡ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ኣዋፋሪ ናይዚ ጉዳይ’ዚ ብምኹኑ፡ ናይ INTERPOL  ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሉ ከም ዝግባእ።

ኣብዞም ዝተጠቕሰ ጉዳያት ዝተካየድ ልዝብን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥን ኣዝዩ ሃናጺ ምንባሩ ተፈሊጡ። ላዓዋይ ልኡኽ ግሃድኤ፣ መንግስቲ ጣልያን፡ ኣብ ክሊ ሕብረተ ኤዉሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለዎ ግደ ሓደ ካብ’ቶም ወሰንቲ ኣካላት ብምዃኑ መጠን፣ ምስ ኤርትራ ዝጸንሖም ዝምድናታት፣ ጥቕሚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሕልውን ንክኸዉን ተሪር ምሕጽንታ ብምቕራብ ንተገብረሉ ምዕሩግ ኣቀባብላን ነቲ ዝተኻየደ ሃናጺ ዘተን ክብ ዝበለ ምስጋና ከም ዘቕረበ ተሓቢሩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

07/02/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10126

Posted by on Feb 8 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net