ኣቦ-መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ- ሕድሪ) ኣብ ከተማ ኣንጀ (Anger) ሃገረ ፈረንሳ ኣኼባ ኣካይዱ፡

ensf hidri Anger

ኣቦ-መንበር ውድብ ብጻይ ዑቚባዝጊ ድቡስን ዋና ጽሓፊ ሰክረታርያ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ብጻይ ኣብርሃም እያሱን –  ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ኣንጀ (Anger) ከባቢኣን ዝቕመጡ መንእሰያት ኤርትራውያን ብዕለት 07-02-2016 ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ ኣኼባ ብመንነቶም ምግላጽን ሓድ ሕድ ምፍላጥን እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ከተማ ኣንጀን (Anger) ከባቢኣን ዝቕመጡ ሃገሮም ሲኦል ኰይናቶም ተገዲዶም ዝወጽኡ፣ ብዕግበቶም ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ንባዕሉ ነብሱ ከማሓድር ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ምዃኑ ዝኣምኑ፣ ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ዝኸውን ብስም “ማሕበር ኤርትራውያንን ፈረንሳን ንነጻነትን ፍትሕን” ዝፍልጥ ማሕበር ተጠርኒፎም ዝነጥፉ መንእሰያት ኤርትራውያን፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ከም ኣብ ጀነቭ ስዊዘርላንድ ዝተገበረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተሳተፉን ካልእ ሃገራዊ ንጥፈታት ዘካይዱን መንእሰያት እዮም። ቀንዲ ካብ ዕላማታቶም ድማ በቲ ሓደ ወገን ንኣፍራስን እከይ ተግባራት ህግደፍን ዝኹንኑ ክዀኑ ከለዉ፡ በቲ ካልእ ከኣ ንሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዝጽውዑ ምስ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ዘይብሎም ምዃኖም ኣብሪሆም።

ነዞም ኣብ ከተማ ኣንጀን ከባቢኣን ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ኣኼባ ብጻይ ዑቚባዝጊ ድቡስ

ዝተላዕሉ ነጥብታት፡-

  1. ኲነታት ሃገርናን ብስርዓት ህግደፍ ዘጋጥማ ዘሎ ሓደጋ፡
  2. ነዚ ንሃገርና ወሪድዋ ዘሎ ሓደጋ ንምቕልባስ ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሕን ኲነታቶምን፡
  3. ኣብ’ዚ ሁመት እዚ ተራ መንእሰያት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ኣርእስትታ ነይሮም።

 

ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ሕጽር ዝበሉ መግለጺታት ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ ዝሰፍሔ ግዜ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ሕቶታት፡ ሓሳባት፡ ርእይቶታት ንኽህቡ ዕድል ተዋህበ። እዚ መሰረት ዝገበረ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኲነታት ሃገርናን ህግደፍን  ከም ጅቡኦም ስለ ዝፈልጥዎ ብዙሕ ዘረባ ከም ዘየድልዮ ኣሚቶም። ነቲ ብደቂቕ ዝከታተልዎን ቀንዲ ዘተኰርሉን ብዛዕባ ደምበ ተቛውሞ እዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝተፈላለዩ ድልየትን ሓሳባትን… ወዘተ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኣብ መድረኽ ይዋስኡ ምህላዎም፡ ግን ከኣ ዝርአ ይኹን ዝቚጸር ፍረ ዘለዎ ስርሒት ዘይምምዝጋቦም፣ ንህዝቢ ድማ ከም’ቲ ዝድለ ምልዕዓል ዘይምግባሮም ብዙሕ ከም ዘሻቕሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምቕራብ ስክፍተታቶም ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብ ስለ ዝዀነ፣ ነዚ ዕማም’ዚ ንምትግባር ንጡፍ ስራሓት ክካየድ ከምዘለዎ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ እዘን ዝጠራነፋ ዘለዋ ሽዱሽተ (6) ፖሎቲካዊ ውድባት ኲነታተን ወጊነን ቅልጥፍ ስራሕ ክሰርሓ ከም ዘለወን ተላብዮም። ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ብናይ ነንሕድሕድ ምምስጋንን በዕግበትን ድማ እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10130

Posted by on Feb 12 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net