ኣብ ዓሰብን ካባቢኣን ዝነብር ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ ኣሎ !!

ensf baner

ኣብ ወደብ ዓሰብን ካባቢኣን ዝረከብ ህዝብና ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ናይ መነባብሮ ኩነታት ከም ዝርከብ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። ኣብ ዓሰብን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ደንካልያ ዝረከባ ዓድታት ከም በዓል  በራዕሶልን ሓርሲለን ካባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ብዋሕዲ መግብን ኣፋውስን ነዳድን ካልኦት ቀረባትን ይሳቐ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ዜና ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

 

ቀንዲ ምንጪ ናይ ማእቶት  ኣብ’ቲ ከባቢ፣ ምግፋፍ ዓሳን ንግድን ሕርሻን ስለ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ናብ የመን ብምምልላስ ይነግድ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ነተን ኣብ ውግእ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ኣዕራብ ወትሃደራዊ መደበር ሰለ ዝሃበ ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ሰፊኑ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ህዝብና ከም ድላዩ ንከይንቀሳቐስ ዓንቂፉ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ከይኣክል፣ ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ክልተ ወዳብትና (ምጽዋዕን ዓሰብን) ዜጋታትና ዘካይድዎ ዝነበሩ ናይ ንግድን ሸቐጥን ንጥፈታት ንምዕጋት ኣብ’ቲ ዞና’ቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓሰብ ናይ መቆጻጸሪ ብሎኮ (ተፍቲሽ) ኣቒሙ ንህዝብና የሰራጢ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።  

 

ብካልኣይ ወገን’ውን፣ ንሓይልታት ሑትይን ሰራዊት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ኣብ የመን ንምጥቃዕ፣ ሱዑድያ እትመርሖ ልፍንቲ፣ ንወደብ ዓሰብ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መዋፈርቲ ሰራዊትን ብረተን ከምኡ’ውን በረራ ወትሃደራዊ ነፍርቲን ገይሩ ሰለ ዝወስዳ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓሰብን ካቢኣን ዝነብር ህዝብና ዓቢ ስነ ኣእሙራዊ ጽቕጠትን ዘይርጉእ ህይወትን የሕልፍ ምህላዉ ተፈሊጡ። ብሰንኪ ሓያል ድምጺ ናይ’ተን ዝበራ ወትሃደራዊ ነፈርቲ፣ ቤት ትምህርታት ዓሰብ መደባት ትምህርቲ ብስሩዕ የካይዳ ከም ዘየለዋ’ውን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

 

ድኽነትን ዓጸቦን ናይቲ ህዝቢ ዝረኣዪ ወትሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንገለ ካብ ተቐማጦ ከተማ ዓሰብ ሓገዛት ክገብሩ ምስ ፈተኑ፣ ሓለፍቲ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ሓገዛት ዝረኸቡ ዜጋታት ብምእሳርን ነቶም ለገስቲ ኢማራታውያን’ውን ን “ህዝብና ሕማቕ ኣይተልምዱልና” ብምባል ከም ዘጠንቐቕዎም ተፈሊጡ። ኣብ’ቲ ቦታ ዝርከቡ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ኢማራት ዓረብ ገለ ንኡስ ትካላት ብምቛም ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ገለ ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማት ንምቅላል ቅሩብነቶም ገሊጾም ከብቅዑ፣ ስቅያት ህዝብን ዝሓልፎ ዘሎ ዓጸቦን ዘየገድሶ ስርዓት ህግደፍ ግን፣ ነዚ ተበግሶ’ዚ ከም ዘይተቐበሎ፣ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ሓደ ካብ’ቶም ናይ’ቲ ቦታ ሓለፍቲ ህግደፍ ንምንጭታትና ከም ዝሓበረ ተፈሊጡ።

 

       

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

06/03/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10196

Posted by on Mar 7 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net