ህግደፍ ሰሙን መመላእታ ኣብ ምቕዛፍ ሂወትን ኣብ ምዝራግ ናብራን

ህግደፍ ካብ’ቲ ብሰለስተ ማዝያ 2016 ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝፈጸሞ ገበን ካብ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምስዋር፡ ንምህዳምን፡ ንምርስሳዕን ብምሕላን፡ ብቐጥታ ኣብ ምፍራስ ገዛውቲ ቀሓውታ ካብ ረፋድ 04 ማዝያ / 2016 ጀሚሩ ክሳብ ክሳብ 05 ማዝያ ይቕጽሎ ከም ዝነበረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዜናዊ ንጥፈታትና ዘርዚርና ኔርና፡፡ እንሀ ከኣ እቲ ኣገባብ ኣፈራርሳን መስሪሑን ሙሉእ ጸብጻብ በጺሑና በምህላዉ፣ ነቕርበልኩም ኣለና፡፡

ህግደፍ ነቲ ብዕቱብ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ይቕጽሎ ኣሎ፡፡ እዚ ኣብ እዋን ምእታው ክራማት ብዘይ ንሕስያ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣነዋሪ ዕንወት ኣብ ስድራቤታት ኤርትራ፣ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ህግደፍ ዝፈጸሞ ቅዝፈት ኣብልዕሊ መንእሰያት ግዜ ሂቡ ዝያዳ ኣቐንዛዊ ስሚዒት ፈጢሩ ብምስትንታን ሓዘን መቕዘፍቲ ደቁ ክፈዲ ከይብገስ እሞ ክስዕብ ዝኽል ተጻቡኦታት ካብ ህዝቢ ብምንባብ ብናብራ ሰበብ ኣንፈቱ ንምቕያር ኢሉ ዝወጠኖ ኩፉእ ግበሩ ምዃኑ፣ ምንጭታት ግሃድኤ ሕድሪ ካብ ኣስመራ ንኣጋር ጋዜጠኛ ሰራዊት ሕድሪ ሓቢሮም፡፡ ህግደፍ ንኣባይቲ ስድራቤታት ብምዕናው ብዘይ መጽለሊ ዘትርፎም ዘሎ ከይኣክል ነተን ንምፍራስ ዘዋፈረን ማሺነሪታቱ ናይ ዘዕነዋሉ ክፍሊት ገዝኡ ዝዓነዎ ሸውዓተ ሽሕ ናቕፋ ክኸፍለን ከም ዝግደድን፡ እተን ማሺነሪታት ከዕንዋ ከለዋ፡ ንመቖምያታት ኣባይቲ ማለት ኣዕኑድ ሰርወታት ዚነጎታት ይኹን ከይወጸ ንዘርከብኦ ንብረት ብዘይንሕስያ

ዓጠምጠም ከምዘብልኦ ዝረኸብናዮም ወሃብቲ ሐበሬታ ግሃድኤ-ሕድሪ ይሕብሩ፡፡

ብተወሳኺ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ኣስመራ ዝሃቡና ሓበሬታ፡ ነተን ኣብ ዝተፈላለየ መስመር ጎደናታትን ኣንጎሎታትን ኣስመራ ዝርከባ ናይ ሎቶሪ፡ ጋዜጣን፡ መጽሔታትን፡ ዝሽየጠለን ናእሽቱ ደኳኩን ዋናታተን ከፍርስወን ይኹን ከግዕዝወን ተኣዚዞም፡ ክነሶም ከግዕዝወን ንዘይከኣሉ ስርዓት ህግደፍ ይዕሽገንንን በንቊሩ የግዕዘንን ከም ዘሎ ሓቢሮም፡፡ እቲ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ድኽነት ገጢሙ ክዕወት ዝቃለስ ኣንጻር ድኻታት ክፋል ሕብረተ-ሰብና ገጢሙ ዘሎ ምህሙን ስርዓት ነዚ ግፍዒ እዚ ዘግብሮ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ኣስመራ ብሓፈሻ ኤርትራ ብዓይኒ በጻሕትን ገያሾን፡ ጽጉምን ድኻን ህዝቢ ዝነብረላ ንኸይትመስል ዝገብሮ ዘሎ ነጸብራቕ ስኑፍ ኣተሓሳስብኡ ምዃኑ ኢዩ ክብሉ ሓበሬትኦም ኣመሓላሊፎም፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ

07 ማዝያ / 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10263

Posted by on Apr 8 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net