መግለጺ ሓዘንን ጽንዓትን

mahbar zete

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብ1991 ስልጣን ህዝቢ ብዓመጽ መንዚዑ መንበረ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰታትን ግፍዕታትን ክፍጽም ምጽንሑ ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብስንኪ’ዚ ድማ ህዝብና ብፍላይ’ውን መንእሰይ ወለዶ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ኣብ ስደት ዘምርሓሉ ኩነታት ምህላውና ዝፍለጥ’ዩ። ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን ንኩሉ እቲ ጨካን ግህሰታትን ግፍዕታትን ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝብትን ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣትሪሩ ክኹንን ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ነቲ ብ03 ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝተፈጸመ ዘሕዝን ቅንጸላ ኣትሪሩ ይኹንን። ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን በቲ ዘይሓላፍነታዊ ፍጻሜ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ነቶም ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ሂወቶም ዝተቐዘፉ መንእሰያት መንግሰተ ሰማይ ክወርሱ መላእ ስድራ ቤቶም ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ይምነ።

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኮራኩሩን

ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን

12 ሚያዝያ 2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10268

Posted by on Apr 13 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net