News

መግለጺ ሓዘንን ጽንዓትን

mahbar zete

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብ1991 ስልጣን ህዝቢ ብዓመጽ መንዚዑ መንበረ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰታትን ግፍዕታትን ክፍጽም ምጽንሑ ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብስንኪ’ዚ ድማ ህዝብና ብፍላይ’ውን መንእሰይ ወለዶ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ኣብ ስደት ዘምርሓሉ ኩነታት ምህላውና ዝፍለጥ’ዩ። ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን ንኩሉ እቲ ጨካን ግህሰታትን ግፍዕታትን ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝብትን ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣትሪሩ ክኹንን ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ነቲ ብ03 ሚያዝያ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝተፈጸመ ዘሕዝን ቅንጸላ ኣትሪሩ ይኹንን። ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን በቲ ዘይሓላፍነታዊ ፍጻሜ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ነቶም ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ሂወቶም ዝተቐዘፉ መንእሰያት መንግሰተ ሰማይ ክወርሱ መላእ ስድራ ቤቶም ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ይምነ።

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኮራኩሩን

ማሕበር ዘተን ልዝብን ኤርትራውያን ኖርወይ ቦዶን ከባቢኣን

12 ሚያዝያ 2016

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top