ምያዝያ ዕስራን ክልተን ንሰራዊት ሕድሪ

22 ምዝያ ንሰራዊት ግሃድኤ-ሕድሪ (ሰራዊት ሕድሪ) መዓልቲ ዝኽሪ ስዉኣቱ ንህዝባዊ ሓርነት ኢያ፡፡ ሰራዊትን ኣባላትን ግሃድኤ-ሕድሪ በቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሖምሉ ዝርከቡ መስመራት ቃልሶም ኣቢሎም ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ይኸፍሉ ኣለዉ፡ በቲ ናይ ትግባረ ሓይሉ ዝኾነ ሰራዊት ሕድሪ ኣቢሉ ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ ሓርነት ግን መዳርግቲ ኣልቦ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብ ሓያል ጥምጥም ቃልሲ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝርከብ እንዳ በልና ንጭድረሉ፡፡ እምበኣርከስ ሰራዊት ሕድሪ ንዝኽሪ በጃ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቁ ዘለዉ ስዉኣቱ ዝወፈያ ዕለት 22 ምዝያ እያ፡፡ ሰራዊት ሕድሪ ሓርነት ህዝቡ ክሳብ ጭቡጥ ዝኸውን ተሊሙ ዝሓዞ ቀንድን መሰረታውን ኣገባብ ኣቀላልሳ ብተግባር ፊት ንፊት ምስ ህግደፍ ብምግጣም ክሰብ ክብርቲ ሂወቱ እንዳኸፈለ ኣብ መንኮርኮር እምንቶ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምቕጻል ኢዩ፡፡ ኣብ እዚ መስርሕ እዚ ዝኽፈሉ ዘለዉ በራውር ደቂ ህዝቢ ድማ ምእንቲ ምልኣት ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኢዮም፡፡  ሰራዊት ሕድሪ ነዛ ዕለት እዚኣ ንምብዓላ ኩሉ ግዜ ዝጥቀመሉ መስርሕ ኣብ ሓያል ህዝባዊ ቃልሲ ተጸሚድካ ብምቕናይ ኢዩ፡፡ በዚ መሰረት ሎሚ ዓመት 22 ምዝያ/ 2016 ”ባህጊ ተቓዉሞ ዘይኮነስ ሕድሪ ስዉኣትና እዩ ዘቃልሰና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ኩሉ ግንባራት ሰራዊት ሕድሪ ተዘኪራ ዊዒላ፡፡

ኣብ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሕድሪ ብጻይ መሓመድ ሳልሕ ኣብ ቦታ ግንባር ሰራዊት ሕድሪ ብምርካብ ነቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ንምኽፋት ኣብ ዘስምዖ ሓጺር መደረ፡ ”ሕድሪ ስዉኣትና እንትግብረሉ መገዲ ንጹር ኢዩ፡ ንሱ  ክኣ ኣብ ትሕቲ ዝጸንከረ ይጸንክር ጉዑዞ ሓርነት ህዝብና ነቲ ስዉኣትና ንዓና ኣሚኖም ዝገደፉልና ህዝባዊ መስመር ንምርግጋጹ ክሳብ መስዋእቲ ድልዋት ኮይና ምርካብ ኢዩ፡፡ ከምኡ ብምግባርና ካብ እቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ተወፋይነት፡ መስዋእትነት፡ ዝዓቢ እንህቦ ክብሪ ከም ዘይብልና ብምርኣይ ነቲ ዝተጨውየ ዋጋ መስዋእቲ ውዕለቱ ንኽንመልስ፡ ፍትሓዊትን ብህዝባዊ ሕጊ እትምዘን፡ ዜጋታታ ካብ ሽቑረራ ወጺኦም ብሰላም ዝነብሩላ ሃገር ንክትህልዎም ዘኹርዕ ታሪኽ ወለዶና ከነመዝግብ ይግባእ” ከም ዝበለ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽርነናሓና፡፡

እቲ ብዝኽረ ሰማእታት ጀሚሩ ብዝኽረ ሰማእታት ዝተፈጸመ  ስነ-ስርዓት ዝኽሪ፡ ብዝተፈላለዩ ንድልዉነት መስዋእትን ንውዕለት ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪን ብዝገልጹ ግጥምታት፡ ጽሑፋት፡ ተዋስኦታትን፡ መዝሙር መስዋእትን ዝተኣንገዶ ዕለተ ዝኽሪ ምንባሩ፡ ወሃብቲ ሓበሬታና ካብ ሰራዊት ሕድሪ ብተወሳኺ ኣብሪሆም፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ቤትጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

23 ምዝያ/ 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10296

Posted by on Apr 25 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net