ዓቢ ብስራት

Radio Adal Arabic

ዕዙዝ ኤርትራዊ  ሰላምታና ኣብ ዘለኹሞ ቦታ ይብጻሕኩም!

 ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት .... እነካይዶ ቃልሲ ክብ ንምባልን፡ ሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብና ኣብ ኩሉ ቦታታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ’ታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ዘላ ሃገርና ዘሎ ጽኑዕ ህዝብና፡ ከምኡ’ውን ኣዕሩኽትን ፈተውትን ህዝብና፣ ሓቅታትን ግቡእ ሓበሬታን ንምርካብ፡ እነሆ ኣብ ትሕቲ “ድምጺ ኣዳል” ዝብል ስም ነጻ ሬድዮ ናይ ፈተነ ፈነውኡ ከም ዝጀመረ ከነበስር ደስ ይብለና።

“ድምጺ ኣዳል” ናይ ተቓላሳይ ህዝብና ድምጺ ኮይና፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ፡ ህዝብና ናይ ዘካይዶ ዘሎ ዘይተሓለለ ቃልሲ መቓልሕ ንክትኸውን ዓቢ ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ቃል ንኣቱ። ከምኡ’ውን ነጻን፡ ዕላማ ህዝቢ ዘንጸባርቕ ሓሳባት ንክዕምብብ፡ ኩሎም ሰማዕትና ነጻ ርእይቶኦም ንክገልጹን፡ ዝተፈላለየ ኣበርክቶኦም ንከቃልሑን፡ ማዕጾ “ድምጺ ኣዳል” ወትሩ ርሑው ኢዩ።

“ድምጺ ኣዳል” ናይ’ቶም ድምጾም ንከይስምዑ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተዓቢሶም ዝርከቡ ዜጋታትና ድምጺ ኢያ።  መደባት ፈነወ ሬድዯና፡ ወትሩ ሰኑይን ሮቡዕን ካብ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ኣጋምሸተ፡ ኣብ ሓጺር ማዕበል ዓሰርተ ሓሙሽተ  ሽሕን ክልተ ሚእተን ሓሙሽተን ኪሎሄርትዝ፣ ወይ’ውን 19 ሚተር ባንድ፣ ብክልቲኡ ቋንቋታት፣ ዓርብኛን ትግርኛን።  ብቀጥታ ናብ ኤርትራን ካባቢኣን ዝቃላሕ ፈነወ ኢዩ።

ስማ ከም ዝሕብሮ፡ “ድምጺ ኣዳል” ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ዝተበገሰላ ታሪኻዊት ቦታ  ከም ዝኾነት፣ ሕጂ’ውን ሃገራዊ ዓቕምታትና ብምጥርናፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘማዕድዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ኩሉ ናውቲ ቃልስና ናብኡ ንኽቀንዕ ዝጽዕት ፈነወ ኢዩ።

ክቡራት ክቡራንን፡

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዕማም ብምትብባዕኩምን ምክትታልኩምን ክዓቢ ተስፋ ኣሎና። ስራሕትና ከም’ቲ እንብህጎ ንክምዕብል ድማ፡ ሓሳባትኩምን ርእይቶኹምን ብቐጻሊ ክትልጉሱልና፡ ነማሕጽን። 

ኣብ መደምደምታ፡ ንምምሕዳር ፈነወድምጺ ኣዳልምስ ኩሎም ኣዳለውትን ኣቕርብትን ኣቀናበርትን፡ ከምኡውን  እዚ ፈነወ ክብገስ፡ ዘተባብዑናን ዝደገፉናን፡ ንኩሎም ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮም።

ኣካያዲ ኣካል ሬድዮ ኣዳል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10325

Posted by on May 13 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net