Notices

ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ኣልፈጥር

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል–ፈጥር ኣልሙባራክ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ናብኡ ኣብጻሕኩም ብምባል፣ ርሑስ ዒድ ክገብረልና ልባዊ ምንዮትና  ክንገልጽ ደስ ይብለና። ዝመጽእ በዓላትና ከኣ፣ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ፣ ንሱ ካብ ዘስዓቦ ኩሉ መከራትን ሕሰምን  ህዝብና ተናጊፉ፣ ስላምን ራህዋን ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ከብዕሎ ተስፋና ወሰን የብሉን።

 

ርሑስ ዒድ ኣል ፈጥር ይግበሮ !

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top