መግለጺ

ክቡራትን ክቡራንን፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብመጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ዘለኹሞ ናይ ስደት መነባብሮ ጥዕናኹም ተሓልዩ ብሰላም ክትህልዉ፡ ካብ መላእ ስደተይናታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጽያ ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን፡ ክቡር ልባዊ ሰላምታን ምስጋናን፡ ብመንገዲ ማሕበርኩም ማሕበር ህዝቢ ዝኾነት!! ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ (ማረምኤ ERDA) ከነመሓላልፈልኩም ንፈቱ።

ብምቕጻል ካብ’ዚ ንመላእ ዓለምና ኣንጸላልይዋ ዘሎ ሕማም ከሮና ቫይሮስ ጥዕናኻትኩም ተሕልዩ ክህሉ ንምነ። ኹሉ ከም ዝፈልጦ፡ ነቶም ኣብ ዓለምና ብምዕባሌ ዝሰጎሙ ሃገራት’ውን ዘጸገመ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብኮቪድ- 19 ዝፍለጥ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ተመሓላላፊ ሕማም፡ ንዓለምና ኣብ ዓብይን ንኽግመት ዘጸግምን ስግኣት ሸሚሙዋ ይርከብ። ብዙሓት መንግስታት፡ ነዚ ሕማም’ዚ ንምቑጽጻር ከም እተሸገሩን፡ ህዝቦም ንምድሓን ኣብ ከቢድ ፈታኒ ኩነታት ኣእትዩዎም ከም ዝርከብን ንዕዘቦ ኣሎና።

ኤርትራውያን ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብ ዝተፈላለዩ ጎረባብትና ዝዀኑ ከም ኢትዮጽያ ሱዳን ሊብያ የመን ጁቡቲ …… ዝኣመሰሉ ሃገራት ብኣማኢት ኣሽሓት ተሰዲዶም ይርከቡ። ጸግዒ ብምርካቦም’ውን ነመስግን። እቲ ኣዕቊቡዎም ዘሎ ሃገራት፣ ግደፍዶ ንካልእስ ዜጋታቶም ንምድሓን’ውን እኩል ቁጠባዊ ዓቕሚ የብሎምን። ከም ግቡእ እቲ UNCHR ዝበሃል ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ሓላፍነት ውሲዱ ክክተታሎም ዝግብኦ ዝነበረ ይኹን’ምበር ከም’ቲ ክሳብ ሎሚ ዝጸንሐ ልምድና፡ ኵሉ ደላይ ፍትሒ እየ ት/ዝብል ኣካል፡ ሃገራዊ ሞራል ተዓጢቑ፡ ዝተፍላለየ ሓባራዊ ጥርናፌታት ኣካይዱ፡ ሃገራዊ ግዴታኡ ንምፍጻም ውራየይ ኢሉ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ብሓላፍነት ኣለናልኩም ክብል በቒዑ እዩ።

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቕስ ይኣክልን፣ ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይርሰን (ECCን) ብዘቕረብዎ ጸውዒት መሰረት ዝተኣከበ ብርክት ዝበለ ሓገዛት፣

ምስ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ ERDA) ብምትሕብባር ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ኢትዮጵያ ኣብ ምዝርጋሕ ይርከብ።

ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣረንዳል (ኖርወይ)፡ መርበብ ኤርትራውያ ሰብሞያ ክንክን-ጥዕና (EHPN – Eritrean Healthcare Professionals Network)፡ ዓሰርተ ሰለስተ ውልቀ ኤርትራውያን መሓዙ ማእከሎም ካርልስሩሀ-ጀርመን፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ ውልቀ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሉዘርን (ስዊዘርላንድ)፡ ካልኦት ግዱሳትን ንሰደተይናታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘበርከትዎ፡ ብማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ብስሞም ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምዝርግሑ ይርከብ።

ብተወሳኺ’ውን ዝከኣሎም ሓገዝ ዘበርከቱ ደቂ ከስከሰ ምላሽ ሰንዓፈን ከባቢኣን ነበርቲ ኤውሮጳ፡ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሰንዓፈን ከባቢኣን ስዊዘርላንድ፡ ተወለድቲ ከስከሰ ምላሽ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኖርወይ፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ስዊደን-ስቶኮልም፡ ማዕረ 1.225.587 ብር ዝኸውን ንሰደተይናታት ኤርትራውያን ንኣብ ኢትዮጽያ ዝርከቡ ዘበርከትዎ እውን፡ ብማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ብስሞም ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምዝርግሑ ይርከብ።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ – ማረምኤ (ERDA)፡ ንኵላቶም/ላተን ኣባላትን ደገፍትን ተሓባበርትን ሓገዝትን፡ ቅድም ይኹን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይካየድ ኣብ ዘሎ ወፍሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ኣካል ኰንኩም/ክን ገንዘብ ብምውጻእ ይኹን ብኻልእ ኣገባብ ግደኹም/ኽን ብምፍጻም፡ ብቐጻሊ ኣብ ምርብራብ/ክን ነመስግን። ሕጂ እውን ከም ትማሊ ክሳብ ስደትና ኣብቂዑ ራህዋና ዝረጋገጽ፡ ዝለዓለ ግዴኹም/ኽንን ኣብ ምብርካት ክትቅጽሉ/ላ ትጽውዕ።

ንዅሉ ክሕግዝ እደሊ ዘበለ ወይ ዝበለት፣ ዝስዕብ ናይ ባንክ ሕሳብ እነሆ።

 


Vorsitzender: Job Maasho Stellv. Vorsitzender: Berhane Embaye Schatzmeister: Zeray Tesfay Postfach 2306 – 76011 Karlsruhe Telephone: + 49 157 72 59 95 72 Telefax: + 49 (0721) 781 773 54 Internet:http://www.relief.eritrea.org Email: adminstration@ relief.eritrea.org Eingetragen beim Amtsgericht Mannheim, Nr. VR 103448 Finanzamt Karlsruhe Stadt: StNr. 35022/25989 Sparkasse Karlsruhe Ettlingen: SWIFT-BIC: KARSDE66XXX IBAN DE08 6605 0101 0108 1032 27 & PayPal Accoun

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11356

Posted by on Jun 2 2020 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net