ብዓል ሓሙት ኣይኹን ዝሙት

                         ብ ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

    ክቡራት ኤርትራውያን ብዘይ ጾታ ፍልልይ ብቐዳምነት ኩቡር ሃገራዊ ሰላምታ ይብጻሕኹም ብምቕጻል ካብ ሓልዮት ሃገርናን ህህዝብናን ተበጊሰ ብዓል ሓሙት ኣይኽን ዝሙት ኢለ ክጽሕፍ ሕልናይ ስለ ዝደረኸኒ ምኽንያት ኣገዳሲ ረቓሒ ርትዓዊ ክስታት ኣብ ርእሲ ሃገርናን ህዝብናን ተዃዕዩና ዘሎ ምዓት ብስርዓት ህግደፍ፡ ነውሰከፍ ኤርትራዊ/ዊት ኣ’ኣብ ገ’ገዛና መርድእን ሓዘንን ጓህን ከም ዝበጽሕና ኣብዚ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሩኡይ ጉዳይ’ዩ።

  ስርዓት ህግደፍ ብ’ኣልማማ ንባህላዊ ክብረትና ዝጋሃሰ ስርዓት ህግደፍ ንዕምሪ ስልጣኑ ከንውሕ ክብል ንሕብረተ ሰብና ኣቃሓሒሩ ዝገማምዔ ስርዓት ህግደፍ ንስድራ ቤት ዝበታተነ ስርዓት ህግደፍ ንመንእሰያትና ኣብ ባዕሉ ዝ’ኣጎዶ ውግእ ደቕዲቑ ዘህለቐን ገናውን መንእሰያት ሃገርና ምክልኻል ሃገር ብዝብል ጉልባብ ንሓለዋ ስልጣኑ ክብል ኣብ ቁርን ኣሳሒታን ምድረ ሃሩርን ሓይሩ ካልእ ምርጫ ከምዘይ ብሎም ገይሩ ኣብዘይ ደልይዎ ሃዲሞም ንስደት ከም ዝሳጥሑ ገይሩዎም ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ጥራሕ ምዓስ ኮይኑ ኣረሚናዊ ጽዩፍ ፍንፉን ተግባራቱ ኣብ ትሕተ ሕጊ ቁዋም ሃገር ኮይኑ ከይ መርሕ ልዕሊ ግዝኣተ ሕጊ ቅዋም ሃገር ኮይኑ ብምልኪ ኣልቦ ዲክታይተር ምእንቲ ክገዝእ ግዝኣተ ሕጊ ቁዋም ሃገር ክምዘይ ህሉ ዝገበረ ኣረሚናዊ ዲክታይተር’ዶ ኣይኮነን!!!

          ሰንሰለታዊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዕድሜና ዘየርከብናሎም ብታሪኽ ኢና ንፈልጦም

 ኣብ ዕድሜና ዘርከብናሎም ባዕዳውያን ገዛኣቲ ክኣ ሪእናን ተዓዚብናን ምስ ስርዓት ህግደፍ

ኣዋዳዲርካ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣለዎ። ኣብ ዕድሜና ዘርከብናሎም ገዛእቲ ማኣሰርቲ ሪእናን ተዓዝብናን እሱር ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ቤተሰብ ይፍልጡዮም ንርትዒ ዝ’ኣክል ስልጣንያ መግቢ ሕጅካ እሱርካ ክትበጽሕ መሰል ነይሩዩ።

       ስርዓት ህግደፍ ግን ምስ ኣሰሩኻ ግደፍዶ መግቢ ስልጣንያ ሕጅካ እሱርካ ክትሪኢን ክትበጽሕንሲ ኣበይ ከምዘሎ ኣይንገረካን ኣዩ። ኣቲ ምስጢር ክኣ ኣብ ማኣሰርቲ ምርሻን ስለ ዘሎ ብዓል መን ኣለዉ ብዓልመን ተረሺኖም ከይፍድሑ ጥራሕ ኢዩ።

      ስርዓት ህግደፍ ብተቓወምቱ ምሕደራኻ ኣካያይዳኻ ዕንወትን ብርሰትን እዩ ኤርትራ ከም ሃገር 9 ቢሄራት ዘለዋ ሃገር ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ተመሪሓ ንኹሉ ብማዕረ ኣብ ባህልን ሃይማኖትን ብኽብሪ ብማዓርነት ተሓልዩ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ብልጽግቲ ልዕላውነት ኤርትራ ዝኸብረላን መንኮርኮር ምዕባሌ ልምዓተ ዕብየታ ንቕድሚት ዝሕምበበላን ኤርትራ ናይ ኩሉ ዜጋታታ ትኾነሉን መገዲ ተኸተል ስለ ዝበሉ ነውራም ጠቐነ ርትዒ ዘይ ብሉ ክሲ መስሪቱ ምስቲ ዝፈትውዎ ህዝቦም ምስቲ ናጻ ንኽወጽእ ኢሎም ዝተቓለስሉ ህዝቦም ምስ ህዝቢ ኣባኢሱን ኣነጺሉን ተራር ስርሒቱ ኣብ ርእሲ ተቃወምቱ ማእለያ ዘይ ቡሉ ገበን ዝፈጸመ ስርዓት ኢዩ።

 ተቓውሞ ማለት ምእራምዩ፤ተቓውሞ ዘይ ቡሉ ሃገር ድሕረት ውድቀትን ዕንወትን ብርሰት ጽንተት ኢዩ ውጽኢቱ፤ኣብዚ ደልሃመት ኣዚ ከይ ኣተና ንዝተረፈ ህዝብና ከነድሕን ሃገርና ሃገር ስዉኣት ካብ ዋናታታ ከይትሞልቕ  ደም ኤርትራውነት ዘለዎ ብቓልዕ ንኽቃወም መድረኽ ህዝባውን ሃገራውን ድሕነት ጠለብ ሕጂ’ዩ።

ባይታ ምቕላዕ ኣረሚናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ኣመሪካ U.S.A  ብኽልተ     ኩርናዕ ብሓደ ምዓልቲ ብምብራቕ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብምዕራብ ኣብ ሳን ኣፍራንሲስኮ ንሰኑይ ዕለት 29 ሰላማዊ ሰልፊ በቶም ጉዱሳት ተዳልዩ ስለዘሎ ብሃገርን ህዝብን ዝግደስ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኩላትና ክንሳተፍ ሕድሪ ሰማእታታትና ክውን ክንገብሮ ኣቕርበሞ ዘለዉ መጸዋዕታንጠቕሚ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝኾነ መጸዋዕቶኦም ሰሚዕና ትኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክንከውን የማሕጽን።

                             መሰል ኣይትኮብን እዩ፤

መሰል ብቓልሲ ኢዩ ዝውነን።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1137

Posted by on Oct 14 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net