ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ሻድሻይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ ብዕለት 3 ታሕሳስ 2007 ሻድሻይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ”ቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ሓደስትን ነባራትን ኣባላት ማሕበር፡ ሕጽር ዝበለ ናይ ሌላ መደብ ድሕሪ ምግባር፡ ብሓፈሽኡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከካይዶም ዝጸንሐ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ንኣባላት መግለጺ ቀሪቡ፡፡

ኣብ”ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ማሕበርና፡ ኣብ”ዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝያዳ ኣድሂብሉ ካብ ዝጸንሐ ጉዳያት፡

  • ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሓደስቲ ስደተንኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብሓፈሻ፡ ማሕበር ክሕግዞም ንዝሓተቱ ድማ ብፍላይ፡ ሓገዝ ኣብ ምግባርን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ደብዳቤታት ኣብ ምጽሓፍን፡

 

  • ኣብ ኖርወይ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ማለት ምስ ” ማጋባእያ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ኖርወይ” ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን፡ ዝያዳ ኣድሂብሉ ዝጸንሐ ስራሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

 

ናይ”ቲ ዝሕለፈ ስራሓት ብሓፈሻ ገምጋም ድሕሪ ምግባርን ብደቂቕ ድሕሪ ምዝታይን፡ ማሕበር ምስ”ቲ ክገጥሞ ዝጸንሐ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት: ሰሪሑዩ ክበሃ”ኳ እንተተኻእለ፡ ጉድለታት”ውን ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ኔርዎ”ዩ። ኣብ ዝብል መደምደምታ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መደብን፡ ብስደተኛታት ምሕላቕን፡ ብዝበርትዐ ንኽቕጽሎን፡ ጉድለታቱ ኣማሕይሹ ድማ ኣብ ዝመጽእ እዋን እንኮላይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣብ ምቅዋም ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዕዙዝ ከም ዝኸውን ንምግባር ጻዕርታት ብቐጻሊ ከካይድ ከም ዘለዎ መዚኑ።

ማሕበርና ካብዚ ብምቕጻል፡ ብዛዕባ”ቲ ንሃገና ኣንጸላልይዋ ዘሎ ሕማቕን ሓደገኛን ኩነታት ብደቅቕ ዘትዩ። በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብዝሒ ብረትን ብዝሒ ሰራዊትን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ናይ ገበነኛታት ሰበ-ስልጣንን ጀነራላት ህ.ግ.ዲ.ፍን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኸይቀርቡ ክገብርዎ ንዝፍትኑ ሽፍትነት ድማ በቲ ካልእ ድሕሪ ምርኣይ፡ ምስ ምዕናው ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ኣዝዩ ሓደገኛን ኣሰካፍን ከም ምዃኑ ርእዩ።

በዚ ምኽንያት” ዚ እምባኣር ማሕበርና “ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን” ንኹለን ፖለቲካውያን ውድባት ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት ክገጥምኦ እንተድኣ ኮይነን፡ ዝፈላልየን ነጥብታት ንጎድኒ ገዲፈን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ” ሃገራዊ ዋዕላ” ጌረን ነቲ ብድሆታት ተቐሪበናሉ ንኽጸንሓ ጸዊዑ። ማሕበር ብወገኑ ንጉዳይ ሓድነት ተቓወምትን ንጉዳይ ” ሃገራዊ ዋዕላን” ኣብ ምዕዋት ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምትሕብባር ክገብር ከም ምዃኑ ተሰማሚዑ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣኼባ ማሕበር ዘሰላሰሎም ጉዳያት፡

  • ድሕሪ ዕረፍቲ ማሕበር፡ ንዕማታቱ ዳግማይ ርእይቶ ድሕሪ ምግባር፡ ንዝልወጥ ለዊጡ ንዕላማታት ማሕበር ከም ብሓድሽ ኣጽዲቑ።

 

  • ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ጸብጻብ ብጉቡእን ጽፉፍን ድሕሪ ምቕራቡ ማሕበር ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተቐቢሉ ኣጽደቑዎ።

 

ብድሕር”ዚ ማሕበር፡ ነቲ ሽዱሽተ ስዓታት ዝወሰደ ናይ መበል ሻድሻይ ዓመት ጉባኤኡ   ብዝኽሪ ሰማእታት ብዓወት ዛዘሞ።

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ዕንወት ንስርዓት ሸፋቱ ህ.ግ.ዲ.ፍ

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ (በርጌሳዊ ማሕበር)

ዕለት፡ 10.12.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1165

Posted by on Dec 10 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net