ሓበሬታ

ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ተባሂሉ ብስም ኣርእስቲ ”ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሰያስ ኣስፍሃ (መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ.)” ብኽፍሊ ኦዲት ምቁጽጻርን ጥርዓንን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍ ፡ ኣነ ኣልኣዛር ሓጎስ ኣቦ መንበር’ዚ ክፍሊ ዘሎኹ ቅድሚ’ዚ ሓበሬታ’ዚ ምዝርግሑ ዝተሓበረኒ ነገር ከምዘየሎ ፡ ኣቶ ኢሰያስ ኣስፍሃ ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተወከሰኒ እዋን ኣፍልጦ ይኹን ቅዳሕ’ውን ከም ዘይመጸኒ ሓቢረዮ።

ንትሕዝትኡ ዝምልከት ካብ ምጽሓፍ ንግዝይኡ ክቑጠብ እየ።

ናይ’ዚ ኩሉ ሽግር መንቀሊ ግና ብዙሕ ዝተወሳሰበ ጉዳይ ሙዃኑ ፡ ገለ ካብኡ ድማ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንሳተፍን  ኣይንሳተፍን ፡ ኣብ ጉዳይ ተቓውሞ ደምበ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘሎ ኣረኣእያን መርገጽን ከምኡ’ውን ብስም ዝተፈላለዩ ሕጋውነትን ብዝሒ ድምጽን ተባሂሉ ንርእይቶታትን ሓሳባትን ምዕምጻጽ ዘምጽኦ ጸገም ከም ምዃኑ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ኣልኣዛር ሓጎስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1501

Posted by on Sep 13 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net