ጻውዒት ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፣(Washington DC)

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን ደቂ-ሃገር፤

ህዝብና ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን፣ ዲሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታታ ዝኽበረላ፣ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈናን ኩሎም ዜጋታታ ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ ድኣ’ምበር ብውልቀ መላኺ ተቕይዳ ናብ ሕሰመ መከራ ክትጥሕል ኣይነበረን።

Eritrean Commission Public Meeting in Washington DC

ህዝብና ካብ’ዚ ዘለዎ ደልሃመት ሓራ ንሙውጻእ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወከልቲ ህዝብን ዘካተተ መጠነ-ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣካይዱ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ዘዝርከብዎ ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ህዝባዊ ኣኼባታት ብምግባር ብዛዕባ’ቲ ዝወዓልዎን ዝርኣይዎን ምስክርነቶም ይገልጹ ኣለው። ኣባላት ናይታ ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝቖመት ሃገራዊት ኮምሽን እውን ኣብ ዘዝርከብሉ ከባቢኦምን ጽዑቅ ስራሓት ብምክያድ ብተወፋይነት ይነጥፉ ኣለዉ።

ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ህዝቢ ወናኒ ጉዳዩ ክኸውንን፣ “ይኣክል ንውልቀ-ምልኪ” ብምባል ኣብ መስርሕ ጉባኤ ዝነጥፋ ሽማግለታት ብምቛም ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ይሰርሕ ኣሎ።

ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ኣኼባታት እምበኣር ኣብ ር/ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ን23 ጥቅምቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብምጽዋዕ  ብህዝብን ማሕበራቶም ተመሪጾምን ተውኪሎምን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ ብዛዕባ’ቲ ዋዕላ ጸብጻብ፣ ምስክርነቶምን ትዕዝብቶምን ብስእልን ቪድዮን ኣሰንዮም ከቕርቡ እዮም። ኣብቲ ዋዕላ ዝተመርጹ ኮምሽነራት እውን ብዛዕባ ኣቃውማን ስርሓትን ናይታ ኮምሽን መብርሂ ክህቡ ምዃኖም ንሕብር።

ስለዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ህዝብና ኣብ’ዚ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክዓስልን ብዕትበት ክዋስኣሉን ንጽውዕ፣ ኣብ’ዚ ህዝባዊ ኣኼባ ድማ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

Where:  Thurgood Marshall Center

1816 12 Street NW, Washington DC,

USA

When: October 23, 2010

Time:        ካብ 2:00pm ይጅምር

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ENCDC2011@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1612

Posted by on Oct 5 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net